Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ብሰንኪ ሕፅረት ቀረብ መስተ ፅሩይ ማይ መዓልታዊ ስራሕትና ንምስላጥ ንፅገም ኣለና- ነበርቲ...

ብሰንኪ ሕፅረት ቀረብ መስተ ፅሩይ ማይ መዓልታዊ ስራሕትና ንምስላጥ ንፅገም ኣለና- ነበርቲ ከተማ ጉያ

104

ነበርቲ ከተማ ጉያ ብሰንኪ ሕፅረት ቀረብ መስተ ፅሩይ ማይ መዓልታዊ ስራሕቶም ንምስላጥ ይፅገሙ ከም ዘለው ይገልፁ። ልዕሊ 17 ጣብያታት ዝሓቖፈት ወረዳ ቆላ ተንቤን ግዱድ ፀገማ ቀረብ መስተ ፅሩይ ማይ እዩ ዝበሉ ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ተኽላይ ተስፋይ፦ ብትካል ኢዝ በሃ ሓደሽቲ ጎዳጉዲ ተኳዒቶም ተሓቖንቲ ባንቧታት ተሃኒፆም ንሕ/ሰብ ግልጋሎት ዋላ ኳ ምሃብ ዝጀመሩ እንተኾኑ ፣ ጠለብ ቀረብ መስተ ማይ ነበርቲ እታ ከተማ ግና ዝፈትሕ ከም ዘይኮነ ይዛረቡ።

እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ምቁርራፅ ማይ ካብ ኣቀማምጣ ከርሲ ምድሪ ምዃኑ ዝገለፁ ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብኔ ሴኬሬታሪያት ትልሚ ስግግርን ማሕበራዊ ልምዓትን ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወት፦ ሕፅረት ቀረብ መስተ ማይ ነበርቲ ከተማ ጉያ ንምፍታሕ፣ ቴክኒካዊ ፀገማት ነፂርካ ዘላቒ ዝኾነ መፍትሒ ንምንዳይ ምስ ሰብ ሞያን ዝምልከቶም ኣካላትን ከም ዝላዘቡ ድማ ይሕብሩ።

ካብኔ ሴኬሬታሪያት ትልሚ ስግግርን ማሕበራዊ ልምዓትን ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወት

ኣማሓዳሪ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ሰለሙን መዓሾ ብወገኖም፦ ጠለባት ቀረብ መስተ ማይ ነበርቲ ከተማ ጉያ ብዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ከም ዞባ ኩለ መዳያዊ ድጋፋት ከም ዝገብሩ ኣረጋጊፆም።

ኣማሓዳሪ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ሰለሙን መዓሾ

ተወካሊ ትካል ኢዝ በሃ ዶ/ር ኣላዩ ብርሃነ ብግደኦም ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ቀረብ መስተ ማይ ነበርቲ ከተማ ጉያን ንምፍታሕ ፣ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ልምዓታዊ ተሳትፎ ኣጠናኪሮም ከም ዝቕፅልሉ ድማ የረጋግፁ።

#ብመርሃዊ ተስፋይ