Home ዜና ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣዕቒቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ...

ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣዕቒቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

569

እቶም ተመዛቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ናብ መረበትና ብህፁፅ ንመለስ፣ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ይውፅኡ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ንቡር ይመለስ፣ ፌደራል መንግስትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ስምምዕ ፕሪቶርያ ብህፁፅ ይፈፀም፣ ጥሜትን ምንገልታዕን ተመዛባላይ የብቅዕ፣ ተሓራሲ መሬት እናሃለወና ክንጠሚ ኣይግባእንካልኦትን ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ድምፆም ኣስሚዖም።