Home ዜና ብሰንኪ ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ትበታተን ኣላ፡፡

ብሰንኪ ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ትበታተን ኣላ፡፡

1049

ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ 4 ዓመታት ኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ምብትታን ኣትያ ምህላዋን፤ ኣብይ ናይዛ ሃገር ናይ መወዳእታ መራሒ ክኸውን ከም ዝኽእልን ፖለቲከኛ ልደቱ ኣያሌው ገሊፁ፡፡

ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ንስልጣን ክብል ንህዝቢ ዝሕሱን ዘታልልን ምዃኑ ዝገለፀ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው፤ ኣብ ዘመነ ኢህወዴግ ዝነበረ ሕቶ ዴሞክራሲ፣ ቁጠባዊ ዕቤትን ዕምቆት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብዚ እዋን ከም ሕቶ ዘይለዓሉን ቀንዲ ሕቶ እዚ እዋን ጉዳይ ምንባርን ዘይምንባርን ኮይኑ ምህላዉ ጠቒሱ፡፡

ብሽም ለውጢ ጣቕዒትን ሆይሆይታን ተጠቒሙ ስልጣን ዝጨበጠ ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብዚ እዋን ልዕሊ ፍርቂ ግዝኣት ኢትዮጵያ ካብ ቁፅፅሩ ወፃኢ ምዃኑ መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ንምትንባይ ኣየፀግምን ዝበለ ልደቱ ኣያሌው፤ ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ወድዓዊ ሓቂ ብምኽሓድ ካብ ኣራት ኪሎ ክሳብ ሚሌኔም ኣዳራሽ ዘሎ ከባቢ ሰላም እንተኾይኑ ካሊእ ጉዳየይ ኣይኮነን ዝብል ቅዋም ዘለዎ ምዃኑ ሓቢሩ፡፡

ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጠሉ ስራሕን ሓላፍነትን ኣንቢቡ ዘይርዳእ፤ ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ብኻሊእ ሓይሊ ዝተመንጠለ ድኹም ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣይተ ልደቱ፤ ሉኣላዊነት ሃገር ንሰራዊት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣሕሊፉ ዝሃበ፣ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝተሃነፁ ቁልፊ ሃገራዊ ፕሮጅክትታት ንፖለቲካዊ ቁማር ከም ዝተጠቐመሉን ሎሚ ዶ ፅባሕ ይሓልፈለይ እናበለ ክፅበ ዝፀንሐ ዜጋ ንሓደጋ ኣቃሊዕዎ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ፡፡

ደቂ ኣነስትዮ ብሰብኡት ምዕማፀን ነውሪ የብሉን፤ ለሚነ ዘምፃእኹዎ ገንዘብ ሚኒስቴር ገንዘብን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ከይፈለጥዎ መዛናግዒ ቦታታት ክሃንፀሉ ምኽኣለይ ኣየሕትተንን ዝብል መሪሕነት ኣበይናይ ቁመና መሪሕነት ከምዘሎ እኹላት መርኣያታት ምዃኖም ዝገለፀ ፖለቲከኛ ልደቱ ኣያሌው፤ ኢትዮጵያ እዙይ ዝኣክል ውርደት ተሸኪማ ኣይትፈልጥን ክብል በቲ ጉጅለ ተስፋ ምቑራፁ ሓቢሩ፡፡
ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ፖለቲካ ፓርቲታትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ክምነይዎምን ክቃለሱሎምን ዝፀንሑ ምዕሟቕ ዴሞክራሲ፣ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን፣ ፍትሓዊ ቁጠባዊ ተጠቃሚነትን ምስ ስልጣን ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ተተሓሒዞም ተረሲዖም ኣለዉ ዝበለ ፖለቲከኛ ልዴቱ ኣያሌው፤ እዞም ሕቶታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ገይፂ ኮይኖም ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ምንባርን ዘይምንባርን ተሸሚሙ ምህላዉ ሓቢሩ፡፡

ኣብዚ እዋን መሰረታዊ ሕቶ ዜጋታት ኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውናን ምቕፃልን ዘይምቕፃልን ሃገር ኮይኑ ኣሎ፡፡ ሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ዘሎ ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ታይ ዓይነት ቁጠባዊን ፖለቲካዊን መስመር ከም ዘለዎ ይትረፍ፤ ሃገር ኣብ ምንታይ ብርኪ ከምዘላ ዝርደኦ ኣይኮነን ዝበለ ኣይተ ልደቱ፤ ብቐፃልነት ዕድል እዛ ሃገር ክውስኑ ዝግበኦም ሓይሊታት ተኣኪቦም ክዝትዩ እንተዘይክኢሎም ተስፋ ኢትዮጵያ ምምኻኑ ኣረጋጊፁ፡፡

ዝሓለፉ 4 ዓመታት ኩለመዳያዊ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ምፍሻሉ ዝሓበረ ፖለቲከኛ ልደቱ ኣያሌው፤ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ዕድል እዛ ሃገር ኣብ ኢድ ሓደ ወልቀሰብ ብምውዳቑን፤ ኣብዙርያ እዚ ወልቀሰብ ዘሎ ጉጅለ ድማ ዝኾነ ዓይነት ኣሰራርሓ ይኹን ኣወዳድባ ዘይብሉ ፋሉል ብምዃኑን ጉዳይ ሃገር ገዲፉ ኣብ ዙርያ ኣራት ኪሎ ጥራሕ ተንጠልጢሉ ብምትራፉን ምዃኑ ሓቢሩ፡፡