Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ብስእነት ናውቲ ሪፈር ጥራሕ ክፅሕፉ ዝተገደዱ ሰብሞያ ጥዕና

ብስእነት ናውቲ ሪፈር ጥራሕ ክፅሕፉ ዝተገደዱ ሰብሞያ ጥዕና

105

ተገልገልቲ መባእታዊ ሆስፒታል ደውሃን ብሰእነት ናውቲ ሕክምናን ቀረብ መድሓኒትን ንዝተፈላለዩ ጥዕናዊ ፀገማት ይቃለዑ ከምዘለው ገሊፆም።

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ዝርከብ መባእታዊ ሆስፒታል ደውሃን ብሰብ ምያ ኣብ ዝዋሃብ ሞያዊ ግልጋሎት ዝተወሰነ ምምሕያሽ ዋላ እንተሃለዎ እቲ ዘሎ ስእነት ናውቲ ሕክምና ግና ኣብ ሕ/ሰብ ማሕበራዊን ቁጠባውን ሳዕቤን የብፅሕ ኣሎ ኢሎም።

ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብቲ ሆስፒታል ዝበፀሐ ዕንወት መሳርሕታት ላብራቶሪን ካልኦት ወሰንቲ ዝበሃሉ ናውቲ ሕክምናን ከይህልዉ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ዝበሉ ሰብሞያ ጥዕና እቲ ሆስፒታል ዘለዎም መማረፂ ሪፈር ምፅሓፍ እዩ ጥራሕ ምዃኑ ጠቒሶም።

ኣወሃህባ ግልጋሎት መባእታዊ ሆስፒታል ደውሃን ዝሐሸ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ኣካያዲ ስራሕ እቲ መባእታዊ ሆስፒታል ኣይተ መስፍን በርሀ ሐዚ ግና ተገልገልቲ ደቂሶም ዝሕከምሉ ዓራት እውን ከምዘይብሉ ተዛሪቦም።

እቲ ሆስፒታል ኣብ ክሊ ፀገም ኮይኑ ናብ ስራሕ ዋላኳ እንተኣተወ ዘለዎ ሰእነት ናውቲ ሕክምናን ሕፅረት ሰብ ሞያ ጥዕናን ግና ሰፊሕ ብምዃኑ ኩሉ ኣካል ሓገዝ ክገብር ፀዊዖም።

#ብታደለ_ዳኘው