Home ዜና ብትምህርቲ ዝማዕበለ ዜጋ ምፍራይ ንትንሳኤ ትግራይ ወሳኒ እዩ” ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ

ብትምህርቲ ዝማዕበለ ዜጋ ምፍራይ ንትንሳኤ ትግራይ ወሳኒ እዩ” ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ

196

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝሓበሩ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብሉፅ ነጥቢ ንዘመዝገቡ ተፈተንቲ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ሽልማት ኣፍልጦ ኣብ ዝተውሃበሉ ሰነ-ስርዓት ተረኺቦም ሽልማት ኣብ ዝሃብሉ እዋን እዩ።

ከም ህዝቢ ካብቲ ገጢሙና ዘሎ ውድቀት ክንትስእ ልምዓት ትምህርቲ ቑልፊ ጉዳይ እዩ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዓንዩ ኣብ ዘለሉ እዋን ነቲ ፀገም ተፃዊርኩም ብሉፅ ውፅኢት ዘምፃእኹም ተምሃሮ ኣብ ቐፃሊ ናይ ዩኒቨርስቲ ፃንሒትኩም ጠንኪርኩም ብምምሃር ዓዲ ዝጠቅም ብሉፅ ዓቕሚ ክትውንኑ ይግባእ ኢሎም።

“ብትምህርቲ ዝማዕበለ ዜጋ ምፍራይ ንትንሳኤ ትግራይ ወሳኒ እዩ” ዝበሉ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብምዃኑ እውን ብኵናት ዝዓነወ ዓውደ ትምህርቲ ንምሕዋይ ትኹረት ገይርካ ከምዝስራሕ እውን ሓቢሮም።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ወሲኾም ድማ “እዚ ሕዚ ዝተውሃበ ኣፍልጦን ሽልማትን ዘይኮነስ ሽልማትኩም ቀፃሊ ውፅኢትኩምን፣ መስዋእቲ ዝተኸፈለላ ትግራይ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንኽትድይብ ምግባርን እዩ” ኢሎም ፡፡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ብግዲኦም ተምሃሮ 12ተ ክፍሊ ብሉፅ ውፅኢት ምምፅኦም ኣብ ከቢድ ኩነታት ፀኒሕካ እውን ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝስራሕ ብተግባር ዝርኣናሉ እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ክሞቱን መስዋእቲ ክኸፍሉን ተጋዲሎም ፣ብቃልሶም ናብዚ ሃዋህው ሰላም ዝበቕዑ ናይ ትማሊ ተጋደልቲ ናይ ሎሚ ድማ ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊቦም ፍሉያት ተሸለምቲ ንዝኾኑ ተምሃሮ ዝሸለሙ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ብወገኖም ፣ኣብ ግንባራት ዝፈፀምዎ ጅግንነት ኣብ ትምህርቲ ክደግምዎ ብምኽኣሎም ኣዝዮም ከምዝተሓበኑ ብምግላፅ ፣ንቐፃሊ እውን ኣብ ጎኖም ኾይኖም ዘድሊ ድጋፍ ከምዝገበሩ ቃል ኣትዮም ፡፡ኣብ ስነ-ስርዓት ምሃብ ኣፍልጦ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም።

ብተስፋዝጊ ዓስበይ