Home ዜና ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ሱዕዲ ዓረብ ተጠሪዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ጀሚሮም።

ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ሱዕዲ ዓረብ ተጠሪዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ጀሚሮም።

ክፉእ ኣተሓሕዛ ተገይሩሎም ኣብ ከቢድ ሽግር ዝነበሩ እዞም ስደተኛታት ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዎም ነናብ ትውልዲ ዓዶም ከምዝስደዱ ብመንግስቲ ኢ/ያ ይንገር ኣሎ። ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ሱዕዲ ዓረብ ተጠሪዞም ንዝመፁ ተጋሩ ብስርዓት እቲ ፋሽስታዊ ጉጅለ ከምዝእሰሩን ከምዝንገላትዑንተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት(Human rights Watch) ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ኣቃሊዑ ነይሩ። እዞም ሕዚ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝጥረዙ ዘለዉ ተጋሩ እዉን ተመሳሳሊ ዕጫ ከየጋጥሞም ናይ ብዙሓት ስግኣት ኮይኑ ኣሎ ይብል GNN ሒዝዎ ኣብ ዝወፀ ሓበሬታ። ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዘለዉ ተጋሩ ኣዝዩ መስካሕክሒ ግፍዒ ምዝተፈፀሞም ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብዘውፀኦ ፀብፃብ ዘፍለጠ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት Human Rights Watch ካብ ሱዕዲ ዓረብ ዝተጠረዙ ተጋሩ እዉን እንተኾነ ኣብ ኢ/ያ ምስኣተዉ ዝበፅሖም ማእሰርትን በደልን ብምዕዛብ ሱዕዲ ዓረብ ንተጋርሩ ብሓይሊ ካብ ምጥራዝ ክትቁጠብን ዕቑባ ክትህቦምን እንተዘይኮይኑ ድማ ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ኣሕሊፋ ክትሰዶምን ተማሕፂኑ ምንባሩ ይዝከር። ብተስፋዝጊ ዓስበይ

1303