Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ብወገን ትግራይ ኣብ ኣላማጣ ዝተጀመረ ጎንፂ የለን፤ ፌደራል መንግስቲ እውን ሓይልታት ትግራይ...

ብወገን ትግራይ ኣብ ኣላማጣ ዝተጀመረ ጎንፂ የለን፤ ፌደራል መንግስቲ እውን ሓይልታት ትግራይ ጎንፂ ጀሚሮም ኣይበለን-ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ

104

ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ምዕባለታት ዞበ ደቡብ ኣመልኪቶም ምስ ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ብወገን ትግራይ ኣብ ኣላማጣ ዝተጀመረ ጎንፂ የለን፤ ፌደራል መንግስቲ እውን ሓይልታት ትግራይ ጎንፂ ጀሚሮም ኣይበለን ኢሎም ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ምስ ውድብ ብልፅግና ኮነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እወንታዊ ናይ ስራሕ ርክብ ከም ዘለዎም ተዛሪቦም። ምፅንባር ህወሓት ናብ ብልፅግና ኣመልኪቱ ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ክወፁኡ ዝቐነዩ ሓበሬታታት ግን “ፍፁም ሓሶት’ዮም” ክብሉ ነፂጎምዎ። ቢቢሲ ትግርኛ ፕረዝደንት ጌታቸው ኣብ ፎኮስ ኦን ኣፍሪካ ቐሪቦም ንዝሃብዎ መብርሂ ብምጥቃስ ከም ዝፀብፀቦ ። “ኣብ ቀረባ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ምስ ውህደት ዝተኣሳሰር ኣይኰነን። እቲ እነካይዶ ዘለና ዝርርብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ዝዀነሉ ኣገባብ’ዩ።

ውህደት ኣጀንዳ ኰይኑ ኣይፈልጥን” ብምባል መብርሂ ሂቦም ። ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዘለዎም ርክብ ዝምልከት ዝተሓተቱ ኣይተ ጌታቸው፡ “ፅቡቕ ናይ ስራሕ ርክብ’ዩ ዘለና። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ነናይ ባዕልና ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ኣለውና” ኢሎም። ወሲኾም፡ “ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ብሓባር ንክንሰርሕ ዕድል ስለ ዝሃበና፡ ንህዝብና ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ብሓባር ክንሰርሕ ሓጊዙና እዩ። እዚ ድማ ቀፃሊ እዩ ኢለ ይግምት” ክብሉ መልሲ ሂቦም ። ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ንምትግባር ኣብ ዝግበር ዘሎ ልዝብ ምስ መንግስቲ ፌደራል ፅቡቕ ምርድዳእ ይካየድ ከምዘሎ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም። ፕረዚደንት ጌታቸው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ኣፍቶም ገና ዘይተመልሱ ግዝኣታዊ ሓድነት መሬት ትግራይ ዝተደኮኑ “ዘይሕጋዊ” ምምሕዳራት ኣምሓራ ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፈደራል ስምምዕ ከም ዝተገብረ ኣረዲኦም።

ኣብ ኣላማጣ ንሕና ዝጀመርናዮ ይኹን ዘካየድናዮ ጎንፂ የለን፤ መንግስቲ ፈደራል’ውን ሓይልታት ትግራይ ግጭት ጀሚሮም ኣይበለን። ካብዚ ወፃኢ ኣብዞም ከባቢታት ዘለው ዘይሕጋዊ ምምሕዳራት ኣብ ምፍራስ ምስ መንግስቲታት ፌደራልን ኣምሓራን ብሓባር ኢና ንሰርሕ ዘለና” ምባሎም ቢቢሲ ትግርኛ ንፀብፃብ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ብምጥቃስ ፀብፂቡ። ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታት ተሓተትቲ ክዀኑ ዝግብኦም ኣካላት ክሕተቱ ኣለዎም ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፡ “ንዓይ ሓዊሱ፡ ዝዀነ ይዅን ሰብ ክሕተት ኣለዎ። ዋላ ሓደ ናፃ ንክኸውን ክፍቀድ የብሉን። ሰላምን ፍትሕን ንምዕሳል ዝበደለ ክሕተት ኣለዎ” ኢሉም። “ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዓርሶም ዝኽእሉ ዝነበሩ ሰባት ሕዚ ኣይክእሉን። ቍፅሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ስለ ዘይነከየ ክኣ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ሕሱም’ዩ። ስለዚ፡ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ ረድኤት ኢና ንደሊ።