Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ብጆኖሳይዳዊ ኲናት ዝዓነወ ኢንዳስትሪ ትግራይ ዳግም ምህናፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ፤ሓዱሽ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ...

ብጆኖሳይዳዊ ኲናት ዝዓነወ ኢንዳስትሪ ትግራይ ዳግም ምህናፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ፤ሓዱሽ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ እውን ደገፍ ፋይናንስ ከምዘድሊ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣመላኺቶም።

53

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝበሉ ሃገራዊ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ትሸዓተ ወርሒ ኢንቨስትመንት ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ መድረኽ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እዩ።

ኣብዚ መድረኽ ንኮምሽነር ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሃና ኣርኣያ ስላሌ ሓዊሱ ካብ ፌደራል ፣ክልልን ከተማ ምምሕዳርን ዝመፁ ኮምሽነራት ተረኺቦም ኣለው።

ፕረዚደንት ጌታቸው ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ፣ ኮነ ተባሂሉ ኢንዳስትሪ ትግራይ ድሕሪ ምዕናዉ ምንቅቓሕ ኢንቨስትመንት ትግራይ ትሑት ምዃኑ ገሊፆም።

በቲ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነው ትካላት ኢንቨስትመንት ይትረፍ ብኸፊል ፀጊንካ ናብ ስራሕ ክኣትው ዝኽእሉ ትካላት ኢንዳስትሪ እውን ናብ ስራሕ ንኽምለሱ በቲ ዝድለ ጠለብ ደገፍ ካብ ፌደራል ከምዘይተገበረ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ንተሳተፍቲ እቲ ሃገራዊ መድረኽ ኣብ ልዕሊ ኢንዳስትሪ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ብዓይንኹም ክትሪኡ ኢኹም ድሕሪ ምባሎም፤ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ኢንቨስትመንት ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ዳግም ንምህናፅ ካብ ፌደራል ዝግባእ ደገፍ ከምዝጠልብ እውን ኣመላኺቶም።

ኣብ ካልኦት ክልላት ኣብ ኢንቨስትመንት ዝዋፈሩ ተጋሩ ዳግም ናብ ስራሕ ክኣትው ከምትድግፉ ተስፋ ይገብር ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው፤ ኣብ ትግራይ በቲ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ዝተፈጠረ ሓጓፍ ንምክሕሓስ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ዳግመ ህንፀት ስራሕትና እውን ደገፍ መንግስቲ ፌደራል ክዓዝዝ ይግባእ ኢሎም።

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ እኹል ደገፍ ተተገይሩ ብፍጥነት ናብ ልምዓት ንምእታው ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘሎ እውን ኣመላኺቶም።

ኮምሽነር ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሃና ኣርኣያ ስላሌ ፤እቲ መድረኽ ኣብ ዝሓለፈ ትሸዓተ ወርሒ ኣብ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ ስራሕ ንግምግመሉ እዩ ኢለን።

ብተወሳኺ እተን ኮምሽነር ኣብ ቀፃሊ ዓመት ክንሰርሖም ዝግብኡ ተግባራትን፣ከመይ ናይ ውሽጥን ደገን ድሌት ኢንቨስተራት ነተኣናግድን እንታይ ተተሰሪሑ እዩ ኢንቨስትመንትና ዝዓቢ ኣብ ዝብል ክንዝቲ ትፅቢት ይግበር ኢለን።

ኮምሽነር ኮምሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ኣይተ ዳንኤል መኮነን እቲ ኮምሽን ይሰርሖ ዘሎ ስራሕ ንተሳተፍቲ እቲ ሃገራዊ መድረኽ ኣለቕሪቦም ።

ኮምሽነር ዳንኤል መኮነን ኢንቨስትመንት ትግራይ ንምንቅቃሕ ዝተፈላለየ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ እንትኾን፤ ኣዋህባ ግልጋሎት ስሉጥ፣ግልፅን ንምግባር ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ሶፍትዌር ኢ -ኣገልግሎት (e-service) ከምዝተኣታተወ ገሊፆም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ፅባሕ ንፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዕንወት ዝበፅሖም ትካላት ኢንዳስትሪ ዑደት ከምዘካይዱ ድወት ፀብፂቡ።