Home ዜና “ብጥሜት ትምህርተይ ኣቋሪፀ” ተምሃራይ መሓመድ መንግስቱ

“ብጥሜት ትምህርተይ ኣቋሪፀ” ተምሃራይ መሓመድ መንግስቱ

1076

ብዘጋጠመ ሓደጋ ጥሜት ተምሃሮ ትህርቶም ከቓርፁ ይግደዱ ምህላዎም ወለድን ተምሃሮን ከተማ ማይጨው ገሊፆም፡፡
ምምሕዳር እታ ከተማ ብወገኑ ኣብታ ከተማ ልዕሊ 10ሽሕ ወገናት ንሕሱም ጥሜት ከምዝተቓልዑን ብሰንኪ እዚ ድማ ትምህርቶም ዘቋረፁ ብዙሓት እዮም ኢሉ፡፡
ኣብ ከተማ ማይጨው እዩ 01 ቀበሌ ናብ ሓደ ገዛ ኣምርሕና ኣብ መረበት ተኾርምዩ ብትኪ ዝተዓብልኸ መንደድ ፍላሕ ኣይፈልሕን ህልኽ ዝሓዞ ይመስል ዝሰኽተቶ በራድ ከፍልሕ ዲሕ ይብል ኣሎ ተምሃራይ መሓመድ መንግስቱ ፡፡


ተምሃራይ መሓመድ መንግስቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ዘልኣለም ደስታ 7ይ ክፍሊ ክምሃር እኳ እንተነበሮ ኣብ ገዚኡ ብዘሎ ሕሱም ጥሜት ክመሃር ከም ዘይከኣለ ኣዋግዑና።
ሰሪሓ እተምህሮ ዝነበረት ኣድኡ ወ/ሮ ስዒድ ሓሰን ብሰንኪ ዘጋጠማ ሕዱር ሕማም ገዛ ውዒል ኾይናቶ ትምህርቱ ዘቋረፀ ተምሃራይ መሓመድ ዕለታዊ ምግቢ ንምእላሽ ኣብ ፎቖዶ ጎደና ከምዝውዕል ይዛረብ፡፡


ዝመሃረሉ ናብ ዝነበረ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዘልኣለም ደስታ ኣምሪሕና ዝረኸብናዮም መሓዙትን መማህራን መሓመድ ኩነታት ምቁራፅ ትምህርቱ ዝብላዕ ኮነ መምሃሪ ዝኸውን ናውቲ ትምህርቲ ብዘይምህላው ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክርሕቕ ከም ዝኸኣለ ይገልፁ፡፡

ኣብታ ቤት ትምህርቲ ከም መሓመድ ዝበሉ ብሰንኪ ጥሜት ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ትምህርቲ ከቋርፁ ይግደዱ ምህላዎም ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ መምህር በላይ ደስታ ይሕብሩ፡፡
ከም ከተማ ማይጨው ልዕሊ 10 ሽሕ ወገናት ንሕሱም ጥሜት ከምዝተቓልዑ ዝሓበሩ ሓላፍ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ጉዳይ ሰራሕተኛን ተሳትፎን ተጠቃሚነትን ሕብረተሰብ ኣይተ ሃፍቱ ባይሩ ብሰንኪ እዚ ድማ ትምህርቶም ዘቋርፁ ተምሃሮ ኣጋጥሙ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣጋጥሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ድማ ጠመተ መንግስቲን ማሕበረሰብ ዓለምን ከምዝጠልብ ናይዞም ወገናት ፃውዒት እዩ፡፡
ብገነት ካሕሳይ