Home ዜና ብፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ...

ብፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መቐለ ኣትዩ።

715


እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሕ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቀባብላ ተገይርሉ።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮፕሰን እውን ናብ መቐለ ካብ ዝኣተወ ጉጅለ ሓንቲ እየን።


ምስ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፣ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ተቖፃፃሪ ኮሚቴ ሕብረት ኣፍሪካን ዘተ ክገብር ትፅቢት ይግበረሉ።
ብ ገብረእግዚኣብሄር ታደለ