Home ዜና ብ1.2 ሚልዮን ብር ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ መንገዲ ፀፀር ማይ መኽደን ድርባ...

ብ1.2 ሚልዮን ብር ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ መንገዲ ፀፀር ማይ መኽደን ድርባ ዓዲ መዓር ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ

1287

እቲ ብማሕበር ልምዓት ድርባ ዓዲ መዓር ህንፀቱ እናቐፀለ ግልጋሎት ዝህብ ዘሎ መንገዲ ማይ መኽደን ድርባ ዓዲመዓር ቤተክርስትያን ደብረሰላም ኣቡነ ያሳይ ንውሓቱ 4 ኪሎ ሜትር ምዃኑ ዝሓበረ ኣካያዲ ስራሕ እታ ማሕበር ኣይተ ፅጋቡ ተኽለሃይማኖት ፤ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብሰንኪ ፅርግያ ዘይምንባሩ ኣብ ሓፍቱ ብሕርሲ ዘጋጠመ ሞት ኣብ ካልኦት ከየጋጥም ተለዓዒሎም ይሃንፅዎ ከምዘለውን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ግልጋሎት ከም ዝጀመረን ሓቢሩ።

ቅድም ክብል መንገዲ ማይ መኽደን ድርባ ንክጓዓዙ ኣፀጋሚ ከምዝነበረን ሐዚ ግና ብማሕበር ድርባ ዓዲ መዓር ብዝተሰረሐ መንገዲ ዝሓሸ ይግልገሉ ከምዘለው ዝሓበሩ ገናሒ መኪና ኣማኑኤል ታደለ ተጓዓዝቲ ኣፀደ ገብረን ኣረጋዊ ገብረዮሃንስን ፤ ነቶም መንገዲ ዝሃነፁ ብምምስጋን ካልኦት ‘ውን ፀገማት ህዝቦም ኣብ ምፍታሕ ክረባረቡ ይግባእ ኢሎም።

ኣመሓዳሪ ጣብያ መሰቦ ኣይተ ኣባዲ ሓጎስ ብወገኑ እታ ማሕበር ፀገም መንገዲ ህዝባ ንምፍታሕ ዝወሰደቶ ተበግሶ ብምንኣድ ንቐፃሊ ‘ውን ኣብ ምፍፃም እቲ መንገዲን ካልኦት ልምዓታዊ ስራሕትን ክሰርሑ ንዝደልዩ ኣካላት ምስ ህዝቦም ከምዝሕግዙ ኣረጋጊፆም።

ብማሕበር ልምዓት ድርባ ዓዲ መዓር ተሰሪሑ ግልጋሎት እናሃበ ዝርከብ ፅርግያ ብዝተመሓየሸ መንገዲ ንክፍፀምን ካልኦት ፀገም ህዝቢ ዝፈትሑ መሰረተ ልምዓት እቲ ከባቢ ንምስራሕ ኩለ ዝኸኣሎ ንምግባር ክረባረብ ድማ ፃውዒት እቶም ነበርትን እታ ማሕበርን እዩ።

ብሳሙኤል ገ/ታትዮስ