Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ተምሃሮን መምህራንን ካብ ትምህርቲ ዝረሓቑላ ኢሮብ

ተምሃሮን መምህራንን ካብ ትምህርቲ ዝረሓቑላ ኢሮብ

50

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ብሰንኪ እናበኣሰ ዝቕጽል ዘሎ ሕሱም ኩነታት 256 መምህራንን 206 ተምሃሮን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዘቋረፁ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ወረዳ ገሊፁ።ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት መምህር ብርሃነ ግርማይ ኣብዚ ሕዚ እዋን 4001 ተምሃሮ ብ443 መምህራንን ብዘይተማለአ ናውቲ ትምህርትን ይምሃሩ ከም ዘለዉ ኣብሪሆም።

ንፕላዝማን ኣይ ሲ ቲን ሓዊሱ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ቤተ ፈተነን ቤተመፅሓፍትን ከምዘየለ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ ዝምልከቶ ኩሉ ሓገዝ ንኽገብር ፀዊዖም።

23 ኣብያተ ትምህርቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝወረረን ጣብያታት ዝርከባ ኮይነን ሃለዋት ተምሃሮ ከምዘይፍለጥን መፃኢ ዕድል እቶም ተምሃሮ ንምትንባይ ከምዘይከኣልን እውን መምህር ብርሃነ ስግኣቶም ኣቐሚጦም።

ቅድሚ ፅንተታዊ ኩናት ኣብታ ወረዳ ብ 703 መምህራን ንልዕሊ 7000 ተምሃሮ ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ይሳለጥ ከም ዝነበረ እቶም ሓላፊ ኣዘኻኺሮም።

#ብመዝገበ_ወልደገብርኤል