Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ተሳትፎ ሂወት ሕርሻ ሜካናይዜሽን ኣብ ክረምታዊ ሕርሻዊ ንጥፈታት

ተሳትፎ ሂወት ሕርሻ ሜካናይዜሽን ኣብ ክረምታዊ ሕርሻዊ ንጥፈታት

58

ትካል ትእምት ዝኾነ ሂወት ሕርሻ ሜካናይዜሽን ሎሚ ዘመን ክራማት ን20 ሽሕ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ዝገበር ብትራክተራት ኣገልግሎት ማሕረስ ከም ዝህብ ኣፍሉጡ።

ሂወት ሕርሻ ሜካናይዜሽን ናይ ባዕሉን ካልኦትን 65 ዘመነዎት ትራክተራትን ወዳቡ ንሎሚ ዘበን ክራማት ሓራ ኣብ ዝኾና 16 ወረዳታት ትግራይ 10 ሽሕ ሄክታር መሬት ብተመጣጣኒ ዋጋ ብምሕራስን ብምልስላስን ንልዕሊ 20 ሽሕ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ከምዝገብር ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሂወት ሕርሻ ሜካናይዜሽን ኣይተ ናትናኤል ወንድም ገሊፆም።

ብመሰረት’ዚ :- ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨረን፣ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ወረዳታት ታሕታይ ኣድያቦ፣ ታሕታይን ላዕላይን ቆራሮን ኣስገደን፣ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳታት ክልተ-ኣውላዕሎን ሓውዜንን ፣ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳታት ታሕታይን ላዕላይን ማይጨው ፣ ገፀር ዓድዋን ኣሕፈሮምን ከምኡ እውን ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ – ወረዳታት እንደርታ፣ ሕንጣሎን ዓዲ-ጉዶምን ብህይወት ሕርሻ መካናይዘሽን ኣገልጋሎት ዘመናዊ ማሕረስ ብተራክተር ክረኽባ ምዃነን ኣብሪሆም።

እቲ ግልጋሎት መካናይዝድ ማሕረስ ዛጊድ ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ሰሜን ምዕራብን ደቡብ ምብራቕን ብስፍሓት ተጀሚሩ ከምዘሎን ኣብ ዞባታት ማእኸልን ምብራቕን ንምጅማር ድማ ትራክተራትን ሓይሊሰብን ድልዋት ኮይኖም ከምዘለዉን ኣይተ ናትናኤል ሓቢሮም::

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብፉሉይ ብኲናት ኣብ ዝተጠቕዓ ጣብያታት መንጠብጠብ ፣ ኣፅረጋን ማይ ኩሕሊን ንሓደ ሽሕ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ዝገብር 620 ሄክታር መሬት ሓሪሱ ከረክብ ሂወት ሕርሻ ሜካናይዜሽን ምስ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ውዕል ኣሲሩ ምሕራስ ከምዝጀመረ’ዉን ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣፍሊጦም።

እቲ ከይዲ ማሕረስን ዘርእን ብምኽንያት ሕፅረት ነዳዲ ከይደናጎ ንትራክተራት ዘድሊ ነዳዲ ብእኹል መጠንን ብእዋኑን ንኽርከብ በብብርኩ ዝርከብ መሓውር መንግስቲ ቆላሕታ ክገብረሉ ድማ ኣይተ ናትናኤል ኣተሓሳሲቦም።

ሂወት ሕርሻ ሜካናይዜሽን ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ከቢድ ዕንወት ዝበፀሖ ትካል ትእሞት ኮይኑ ንዝተመዛበሉ 110 ሰራሕተኛታቱ ራሽን እናኸፈለን ፀገማት ማሕበረሰብ እናቃለለ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።