Home ዜና ተሳትፎ ትካል ኦሳድ ትግራይ ኣብ ሕብሐባ ተምሃሮ

ተሳትፎ ትካል ኦሳድ ትግራይ ኣብ ሕብሐባ ተምሃሮ

406


ኦሳድ ትግራይ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ንዝርከቡ 100 ተምሃሮ ንሕድሕዶም 3000 ብርን ናውቲ ትምህርትን ሓጊዙኦሳድ ትግራይ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት 50 ሕፃናት ኣብ ሓደ ማእወል ብምጥርናፍ እናሓብሐበን እናምሃረን ዝፀንሐ ኮይኑ ሐዚ ድማ ን100 ተምሃሮ ንሕድሕዶም 3000 ብርን 12 ደፍተርን ከም ዝሓገዘ ኣብቲ ትካል ኣተሓባበሪ ክሊኒካል ነርስ ኣይተ ኣታኽልቲ ኣለነ ኣብሪሆም።

ወለዶም፡ዝሰኣኑን ብኸቢድ ፀገም ጥዕና ዝሳቐዩን ህፃናት በዚ ትካል ህይወቶም ክሳብ ሐዚ ዘቐፀለ ደገፍ እናተገብረሎም ምምፅኡ ዝመስከሩ ወለድን ሓብሐብትን እዞም ህፃናት እቲ ሐዚ ዝተገብረሎም ደገፍ ድማ ግዜኡ ዝሓለየ ብምዃኑ ኣመስጊኖም፡ካልኦት ክስዕብዎ ድማ ፀዊዕም።

ተምሃራይናን ወላድን ዘለውዎ ፀገማት ብምቅላል ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንከይርሕ ዝሕግዝ ሓገዝ እዩ ዝበሉ ድማ ምክትል ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ገብረ ሰላም ኦሳድ ትግራይ ክሳብ ሐዚ እናወገኖም ዝመፀ ስራሕቲ ደገፍ ክቅፅለሉ ፀዊዖም።    

እቶም ሓገዝ ዝተገብረሎም እፃናት ብቀፃሊ ድማ ወርሓዊ 500 ብር ናብ ሒሳብ ደፍተሮም ከም ዝኣትወሎም ኣይተ ኣታኽልቲ ኣብሪሆም።

ብሙስጦፋ ጡሃ