Home ዜና ተበግሶ ሰብ ሃፍቲ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ ነበለት

ተበግሶ ሰብ ሃፍቲ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ ነበለት

580

ኣብ ከተማ ነበለት ዝርከባ ብወረርቲ ሓይልታት ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ ፀጊንና ናብ ግልጋሎት ክነእትወን ኢና ኢሎም ሰብ ሃፍቲ ኣይተ ጌታቸው ወልዱን ኣይተ ብርሃነ ወልዱን። ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትካላት ትምህርቲ ትግራይ ኮነ ተባሂሉ በቶም ሓይልታት ፅንተት ክዓንዋን ክዝመታን ተገይሩ ኢዩ።

ኣብ ወረዳ እምባሰነይቲ ከተማ ነበለት ዝርከባ ኣብያተ ትምርቲ እዉን ዝዓነዋ ኮይነን ህፃናት እቲ ከባቢ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክዉዕሉ እተን ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ ፀጊኖም ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንኽጅምራ ከም ዝሰርሑ ሰብ ሃፍቲ ኣይተ ጌታቸው ወልዱን ኣይተ ብርሃነ ወልዱን ንቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መሕትት ኣፍሊጦም። እቶም ሰብ ሃፍቲ፣ ኣብቲ ከተማ ዝርከብ ካልእ ብወረርቲ ሓይልታት ፀንተት ዝዓነወ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዳግም ብምፅጋንን ብምትዕርራይ ካብ ወርሒ መስከረም 2016 ዓ/ም ዝተማለአ ኣገልግሎት ትምህርቲ ክጅምር ከምዝስርሑውን ቃል ኣትዮም።

ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዓሊሞም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ልፍንታዊ ወራር ዝፈፀሙ ሓይልታት ኣብ ከተማ ነበለትን ከባቢኣን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ እዉን ሙሉእ ብምሉእ ምዕናዎም ስዒቡ ድሕሪ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝምዕብል ዘሎ ከይዲ ሰላም መሰረት ብምግባር ካብ 23 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንኽጅምራ ተገይሩን ኣብ ምጅማርን ይርከባ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ከተማ ነበለት ኣብ ዝርከባ ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝተጀመረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሓደ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ነበለት ዘምህር መምህር ፅጌ ኣብ ኢዱ እምኒ ተሸኪሙ ህፃናት እናምሃረ ዘርኢ ፎቶ ኣብ መረባ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዛዕባ ኮይኑ ክዋዓዋዕ ቀንዩ ኢዩ።

#ተስፋዝጊ ዓስበይ