Home ዜና ተኻረይቲ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ገዛ ክራይ ከተማ መቐለ እንታይ ይብሉ ? ዝምልከቶ...

ተኻረይቲ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ገዛ ክራይ ከተማ መቐለ እንታይ ይብሉ ? ዝምልከቶ ኣካል ከ ?

663

ምስ ኣታዊና ዘይተመጣጠነ ክፍሊት ክራይ ገዛ ኣብ ማሕበራዊን ቁጠባውን ህይወትና ፈተና ኮይኑና ኣሎ ክብሉ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ከተማ መቐለ ኣማሪሮም።

ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ መንግስቲ ኣማራፂታት ከቐምጥን ኣብ ህንፀት ኣባይቲ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕን ይግባእ ኢሎም ንትካልና ርኢቶኦም ዝሃቡ ወገናት።

ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ከተማ መቐለ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋጋ ክራይ ገዛ በቢወርሑ እናነሃረ ናብራና ኣብ ፈተና ክወድቕ ገይሩ ይርከብ ክብሉ ኣማሪሮም።

እቲ ምስ ኣታዊኦም ዘይተመጣጠነ ክፍሊት ክራይ ገዛ ንዝተፈላለዩ ቁልውላዋት  ከም ዘቃለዖም ድማ ኣረዲኦም።

እቲ ፀገም ብዘለዎ እንተቐፂሉ ዝፈጥሮ ሓደጋ ከቢድ እዩ ክብሉ ስግኣቶም ዝገለፁ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ መንግስቲ ከተግብሮም ይግባእ ዝበልዎም ኣማራፂታት ድማ ኣቐሚጦም።

መረረት ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣመልኪትና ዝሓተትናዮ ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ትግራይ ብወገኑ ኣብ ቀረብን ጠለብን መንበሪ ኣባይቲ ዘሎ ፀገም ብዘላቕነት ዝፍትሐሉ ዕድል ንምምችቻው ዝሕግዙ ፕሮጀክታትን ስራሕቲ ምፅፋፍ መረዳእታን ይሰርሑ ኣለው ክብል ኣገንዚቡ።

ኣብ ሞንጎ ተኻራይን መካረይን ገዛ ስርዓትን ፍትሓዊነትን ዘረጋግፅ ማዕቐፍ ሕጊ ንምድላው ይስራሕ ምህላው እውን እቲ  እቲ ኤጀንሲ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ነበርቲ ከተማታት ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም መንበሪ ገዛ ክወድቁ ካብ ዘገደዱ ፀገማት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይዳዊ ኲናት፣ዘይተመጣጠነ ቀረብን ጠለብን ኣባይቲ፣ዝተጀመሩ ህንፃታት ናብ ስራሕ ዘይምእታዎምን ከም ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቁልውላውን እቶም ቀንዲ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እቲ ፀገም ብዘላቕነት ዝፍትሐሉን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣጠቓቕማ መሬት ዝነበረ ፀገም ዝእረመሉን ዕድል ንምምችቻው ዝሕግዙ ፕሮጀክታትን ስራሕቲ ምፅፋፍ መረዳእታን ካብ ምድላው ብዝዘለለ መንበሪ ኣባይቲ ንምህናፅ ዛጊድ ዝተወሰነ ውሳነ የለን ይብሉ ሓላፊ ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ትግራይ ኣይተ ገብረእግዚኣብሔር ኣብርሃ።

ቅድም ክብል ተጀሚሩ ዝነበረ ኣብ ዓርሰ ምትሕግጋዝ ዝተሞርኮዘ ስራሕቲ ህንፀት ኣባይቲ ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ መዓዝን ኣበይን ብኸመይ ኣገባብን ይፍፀም ዝብል ግና ብዝተወደበ መንገዳ ይፅናዕ ምህላው ኣረዲኦም።

እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይተመጣጠነ ቀረብን ጠለብን ኣባይቲ፤ኣባይቲ ብምህናፅ ዝፍታሕ እኳ እንተኾነ ሕድሕድ ዜጋ ወናኒ ገዛ ምግባር ስለ ዘይክኣል ግና ኣብ ሞንጎ ተኻራይን መካረይን ስርዓትን ፍትሓዊነትን ዘረጋግፅ ማዕቐፍ ሕጊ ንምድላው ይስራሕ ምህላው እቲ  እቲ ኤጀንሲ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ትግራይ ቅድሚ ወራር ኲናት እውን እንተኾነ ኣብ ቀረብን ጠለብን መንበሪ ኣባይቲ ሰፊሕ ፍልልይ ነይሩ እዩ።

እዙይ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ግና መንግስቲ ነቲ ፀገም ንምቅላል ካብ 2009 ክሳብ 2012 ዓ.ም ልዕሊ 100 ሺሕ ነበርቲ ኣብ ዓበይቲ፣ማእኸለዎትን ዕሸላትን ከተማታት ትግራይ መሬት ተዓዲሎም ተጠቀምቲ መንበሪ ገዛ ዝኾንሉ ስራሕቲ እናወገነ ከም ዝነበረ ሓበሬታ ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ትግራይ ይሕብር።

ሕሉፍ ካሕሳይ