Home ዜና ተወሳኺ ክፍሊት ሆስፒታል ዓይደር—ሓፈሻዊ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎቱ ተወሳኺ ክፍሊት...

ተወሳኺ ክፍሊት ሆስፒታል ዓይደር

ሓፈሻዊ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎቱ ተወሳኺ ክፍሊት ይሓትት ከምዘሎ ተሓከምቲ ገሊፆም፡፡

526

መንግስቲ ፌደራል ንሓፈሻዊ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኰነ ኢሉ በጀት ከምዘውሓደሉን ከም ሳዕቤኑ እውን ናውቲ ሕክምና ንምዕዳግ ካብ ተሓከምቲ ተወሳኺ ክፍሊት ክሓትት ከምዝተገደደን ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ኣፍሊጡ፡፡

ቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ሓፈሻዊ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣድሂቡ ንተሓከምቲ ኣብ ዘዘራረበ ኮይኑ ካብ ክፍሊ ካርዲ ክሳብ እቲ ዝዓበየ ግልጋሎት መጠን ክፍሊት ቕርሺ ከምዝወሰኸን ድማ ኣረጋጊፁ፡፡

ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ኣብርሃ ገ/ሄር ብወገኖም ፤ እቲ ወሰኽ ክፍሊት ግልጋሎት ብመሰረት መምርሒ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተተመነ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

በዚ ድማ ብዕንወት ናውቲ ሕክምናን ሓይሊ ሰብን ተፀጊሙ ንዘሎ ሆስፒታል ዓይደር ተወሳኺ መሰናኽል ከይኑ ከምዘሎ ዶክተር ኣብርሃ ኣገንዚቦም።

ካብቲ ተወሳኺ ክፍሊት ዝርከብ እቶት ድማ ዓንዮም ንዘለዉ ናውቲ ሕክምና ንምፅጋንን ግልጋሎት ንምቕፃልን ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

#ኤፍሬም_ረደሀይ