ሓየት ሰራዊት ትግራይ ድሕሪ 8 ኣዋርሕ ብወፍሪ ኣፍሪካዊ ራእሲ #ኣሉላ ኣባነጋ መስደመም 21 ክፍለ ዘመን ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ጀኖሳይዳውያን ፀላእቱ ደምሳሳይ ቅልፅሙ ኣመስኪሩ፡፡
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2022/06/vlcsnap-2014-08-25-14h22m57s162-1024x576.png)
ዓወት ሰነ 21/2013 ዓ/ም ውፅኢት ስሙር ውህደት ደጀንን ግንባርን ትግራይ ከም ዝኾነ ኣዴታት ከተማ መቐለ ኣዘኻኺረን፡፡
ኣብቲ እዋን ፕሬዝዳንት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅልፅሙ ዝተመስረተ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቃልሲ ብምክያድ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ከም ዘረጋገፀ ሓቢሮም ነይሮም፡፡
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2022/06/vlcsnap-2014-08-25-14h23m35s21-1024x576.png)
ሙሉእ ሰላምን ዓርሰ ውሳነን ትግራይ ንምግሃድ ቃልሰን ከምዝሓፈሳ ዘረጋገፃ እዘን ኣዴታት ዲያስፖራ ደቂ ትግራይ ንዘካይድዎ ዘለዉ ብርቱዕ ዲፕሎማሲ እውን ንኢደን፡፡
ብኤፍሬም ረደሀይ