Home ማሕበራዊ ትንሳኤ ትግራይ

ትንሳኤ ትግራይ

1176

በዓልትንሳኤ እንትነኽብር ዝተፀገሙ ወገናትና ብምሕጋዝ፣ሓልዮትን ርህራሄን ብዝተመልኦ መንፈስ ብርሃን ፅባሕ ብምትስፋው ክነሕልፎ ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ኣገልገልቲ #ቤተ-ክረስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ፀዊዖም፡፡

ሓደ ሓደ መራሕቲ ሃይማኖት ኢና ዝብሉ ኣቦታት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ትግራይ ዕልእን ሕማቅ ኣስተመህሮ እንትሃቡ ንሕና ግን ሐዚ እውን እንተኾነ በቲ ሃይማኖትና ዝፈቕደልና ንዓኣቶም እውን ከይተረፈ ናብ የማን ክመልሶም ንፅሊ ኢና ዝበሉ እቶም ኣቦታት ሃይማኖት ህዝቢ ትግራይ እዚ ፀገም ከም ዝሓልፍ ክኣምን ኣለዎ ኢሎም፡፡

 ፀገምን መከራን እንትበዝሕ  ብፍላይ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ህፃናት ፍሉይ ጠመተ  ገይርና ተስፋ ክንኾኖም ከምዘግባእ እቶም ኣቦታት ተላብዮም ፡፡

ከምቲ ጎይታና መድሓኒትና እየሱስ ክረስቶስ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝተሳቐየን ዝተን ገላተዐን ህዝቢ ትግራይ እውን ኣዝዩ ከቢድ ፀገም የሕልፍ ዋላ እኳ እንተሃለወ ከምቲ ክረስቶስ ሞት ስዒሩ ዝተንሰአ ትንሳኤ ህዝቢ ትግራይ እውን ኣብ ቀረባ ከምዝኸውን እቶም ኣቦታት ሃይማኖትን ኣገልገልትን ተዛሪቦም፡፡

ብፋና ሊላይ