Home ዜና ትእምት ተቛሪፁ ዝነበረ ንስድራ ስውኣት ዝህቦ ሓገዝ ክጅምር እዩ።

ትእምት ተቛሪፁ ዝነበረ ንስድራ ስውኣት ዝህቦ ሓገዝ ክጅምር እዩ።

470

ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ትእምት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወራርን ጀኖሳይዳዊ ኲናትን ንስድራ ስዉኣት እትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ተቛሪፁ ዝፀንሐ እንትኾን እቲ ሓገዝ ዳግም ንምጅማር ዕላዊ ዝግበረሉ መድረኽ ምስ ስድራ ስዉኣት ዘተ ኣካይዳ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ወራር ካብ ኢድ ህዝቢ ትግራይ ተፈልየን ዝነበራ ትካላት ትእምት ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ ሰብዋነአን ስለዝተመለሳ ንስድራ ስዉኣት ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ከም ዝቕፅል ገሊፆም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቲ ዝተጀመረ ሰላም ዓቂቡ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ዲፕሎማስን ርክብን ብምጥንኻር ተፈናቕልቲ ነናብ ቦቶኦም ክምለሱን ትግራይ ንምሕዋይን ናብ ንቡር ንምምላስን ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ፕረዚደንት ጌታቸው ብሰንኪ ወራር ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝፀንሑ ስድራ ስዉኣት ንምሕጋዝ ቐዳምነት ተዋሂቡ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም።ወርሓዊ ድጎማ ስድራ ስዉኣት ካብ ሎማዓንቲ ጀሚሩ ምኽፋል ከምዝቕፅል ድማ ዋና ዳይረክተር ትካል ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣይተ ጥላሁን ታረቀ ገሊፆም።

ብገብረመድህን ተወልደመድህን