Home ዜና ትግራይ ክትሓዊ እንተኾይና ቁስልና ብምሕኻኽ ዘይኮነስ ስራሕቲ ሕውየት ብዕቱብ ብምስራሕ ከምዝኾነ ፕሬዚደንት...

ትግራይ ክትሓዊ እንተኾይና ቁስልና ብምሕኻኽ ዘይኮነስ ስራሕቲ ሕውየት ብዕቱብ ብምስራሕ ከምዝኾነ ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

587

ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፋ ዓመታት ብዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ካብ ዝበፅሓ ሰብኣዊን ቁሳውን ዕንወት ክትሓዊ እንተኾይና፣ ዘጋጠሙና ቁስሊታት ብምሕኻኽ ዘይኮነስ ሓድነትና ኣጠናኪርና ጭቡጣት ስራሕቲ ሕውየት ብምስራሕ ከምዝኾነ ፕሬዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ፕሬዚደንት ጌታቸው፣ ነዚ ዝገለፁ ብሰራዊት ሓይልታት ፅንተት ፆታዊ ዓመፅን ስነ-ልቦናዊ ማህሰይቲን ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ብትካል ምግባረ ሰናይ ሕውየት ስልጠና ተዋሂብዎን ኣብ ዝተመረቓሉ ስነ-ስርዓት ኮይኑ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ንኸምዚ ዝኣመሰሉ ስራሕቲ ሕውየት ግቡእ ደገፍ ከምዝገብርን ኣብ ጎኒ እዘን ኣዴታት ከምዝኸውንን ሓቢሮም።

እዘን ዝተመረቓ ደቂ ኣንስትዮ ብበዝሒ 40 እንትኾና እቲ ክወሃበን ዝፀንሐ ስልጠና ካፍቲ ዝበፅሐን ስነ-ልቦናዊ ማህሰይቲ ንኽወፃ ዝሕግዝ ሕውየት ስነ-ልቦናንን ናብ ስራሕ ዓለም ኣትየን ከመይ ከምዝዕወታን ዝሕግዝ ስልጠና እዩ።መትከሊ እግሪ ዝኸውን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከም ዝተገበረለን እውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ተሓቢሩ’ዩ።