መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከገልግሉ ዝተመረፁ ዝርዝር ኤጲስ ቆጶሳት ዕላዊ ገይሩ።
መቐለ: ሓምለ 09/2015 ዓ.ም (#ቴሌቪዥን_ትግራይ) ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ፅዮን ማርያም ሎሚ 9 ሓምለ 2015 ዓ/ም ስነ-ስርዓት መረፃ ኤጲስቆጶሳት የሳለጥ ኣሎ።



ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ መረፃ ድማ:-
ኣብ ትግራይ ከገልግሉ ዝተመረፁ ኤጲስቆጶሳት –
፩.መጋቤ ሃዲስ ቆሞስ ኣባ ዘሥላሴ ማርቆስ
፪.መልኣከ ገነት ቆሞስ ኣባ ሃ/ሚካኤል ኣረጋይ
፫.ሊቀ ኣእላፍ ኣባ እስጢፋኖስ ገ/ጊዮርጊስ
፬.ንቡረእድ ቆሞስ ኣባ መሓሪ ሃብቴ
፭.ቆሞስ ኣባ ኤልያስ ታደሰ ገብረኺዳን
ንወፃኢ ሃገራት ዘገልግሉ ድማ ድምፂ ቆፀራ ይሳለጥ ኣሎ።



