Home ዜና ውሽጢ ዓዲ “ቶምቦላ ንሓዱሽ ሂወት ህፃናት”!!!

“ቶምቦላ ንሓዱሽ ሂወት ህፃናት”!!!

63

ትካል ገባሪ ሰናይ ኒው ላይፍ ካብ ብሔራዊ ሎተሪ ፍቓድ ቶምቦላ ረኺቡ።

“ሓምሳ ሎሚን ንሓደ ሰብ ሸኽሙ ንሓምሳ ሰብ ድማ ገይፁ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሒዙ ኣብ ምንቅስቃስ ዝርከብ ትካል ገባሪ ሰናይ ኒው ላይፍ “ቶምቦላ ንሓዱሽ ሂወት ህፃናት ” ንምጅማር ዕላዊ መድረኽ ኣሳሊጡ።እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ፍቓድ ትካል ገባሪ ሰናይ ኒው ላይፍ ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ብሔራዊ ዕፃ ቶምቦላ ንምክያድ ዘኽእሎ እዩ።

ካብቲ ዕፃ ቶምቦላ ዝርከብ ኣታዊ እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ጣብያ መሰቦ ንዘህንፆ “መንደር ህፃናት ንሓዱሽ ሂወት” ዝውዕል ምዃኑ ኣቦ መንበር ቦርድ ትካል ገባሪ ሰናይ ኒው ላይፍ ኣይተ ፀጋቡ ተክለሃይማኖት ኣፍሊጦም።

ምክትል ስራሕ ኣካየዲ እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ መንእሰይ ዮናስ ከበደ እታ ብዕሊ ዝተመረቐት ቶምቦላ ሎቶሪ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ዝሓዘት እንትኾን፤ 1ይ ዕፃ ብኤሌክትሪክ ትሰርሕ ናይ ገዛ መኪና፣ 2ይ ዕፃ ብኤሌክትሪክ ትሰርሕ ሞተር ሳይክል፣ 3ይ ዕፃ ፍሪጅ፣ 4ይ ዕፃ 55 ኢንች ቴሌቪዥንን 5ይ ዕፃ ሞባይላትን ምዃኖም ገሊፆም።

እቲ ቶምቦላሎተሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘማሓድረን ከባቢታት ዝሽየጥ ኮይኑ ማሕበር መንእሰይ ትግራይ ድማ ኩሉ ስራሕቲ ከምዝውግኖ ኣብቲ እዋን ተገሊፁ።

#ጥዑማይ_ገዛኢ