Home ዜና ነብሰ-ፁር ኣዴታት ግቡእ ግልጋሎት ወሊድን ክትትል ብዘይምርካበን ንዝተሓላለኹ ፀገማትን ሕማማትን ተሳጢሐን...

ነብሰ-ፁር ኣዴታት ግቡእ ግልጋሎት ወሊድን ክትትል ብዘይምርካበን ንዝተሓላለኹ ፀገማትን ሕማማትን ተሳጢሐን ከም ዝርከባ ሓቢረን ።

1020

ነብሰ ፁር ወ/ሮ ወጋሕታ ሓለፎምን ወይዘሮ መረስዑ ሃፍቱን ኣብ ሆስፒታል መቐለ ዝወለደት መድህን ሃይለማርያምን ካብ ዝተፈላለያ ከባብታት ትግራይ ተጓዒዘን ኣብ ሆስፒታል መቐለ ኣብ ክፍሊ መዋለዲ ክትትል እንዳተገበረለን ዝረኸበናየን ኣዴታት እየን ፡፡

 ኣብ ከባቢኤን እኹል ግልጋሎት ወሊድ ብዘይምርካበን ናብ ከተማ መቐለ መፅየን ክወልዳ ከም ዝተገደዳ እየን ገሊፀን ።

 ብፍላይ ብስእነት ቀረብ ናውቲ መድሓኒትን ምግብን ንዝተፈላለዩ ሕማማትን ፀገማት ከም ዝተቓልዓ እየን ዝዛረባ፡፡

    ቁፅሪ ተገልገልቲ ነብሰ-ፁር ኣዴታት ካብ እዋን ናብ እዋን ብምውሳኹ ብሕፅረት ሰብሞያ መዋልዳንን መድሓኒትን ግልጋሎት ንምሃብ እዚ ሆስፒታል ኣብ ዝለዓለ ፀገም ከም ዘሎ ኣብ ሆስፒታል መቐለ ኣተሓባበሪ ክፍሊ መዋለዲ የማነ ገብረሰላሴ ተዛሪቦም፡፡

  ኣዴታት ኣብ እዋን ቅድመ ወሊድ ሙሉእ ክትትልን ምግብን ከምዘድልየን ዝሓበሩ በዓል ሞያ መዋልዳን የማነ ብርክት ዝበላ ኣዴታት ንሓደጋ ከምዝተሳጠሓ ብምግላፅ መንግሰታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ሞት ኣዴታት ንምንካይ ኣብ ጎኒ ትካላት ጥዕና ኾይኖም ክሕግዙ ፀዊዖም።

                                                       ብሰላማዊት ገብረኣምላኽ