Home ዜና ”ነጋዶ ነገስታት ኣፍሪካ”- መፅሄት ኣርኪዮሎጂ

”ነጋዶ ነገስታት ኣፍሪካ”- መፅሄት ኣርኪዮሎጂ

470

ብዩኒቨርስቲ ጆሆን ሆፕኪነስ ዝዳሎ መፅሄት ምስ ትካል ምርምር ስነ ኳዕቲ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለዎ ፅሑፍ፤ ጥንታዊያን ነገስታት ኣኽሱም ምዕቡላትን ምስ ካልኦት ሃገራት ብንግዲ ዝራኸቡ ብልሓተኛታትን ምንባሮም ፀብፂቡ ኣሎ፡፡

ኣብ ሕታም ሓምለን ንሓሰን 2015 ዓ.ም ተዳሊዩ ንኣንበብቲ ቀሪቡ ዘሎ ሰነድ፤ ኩነታት ነገስታትን ምዕባለታትን ኣክሱምን ከባቢኣን ዝትንትን እዩ፡፡

ሕምብርቲ ንግዲ ባሕሪ ተተርኢሱ ዝተደኮነ ጥንታዊ ክርስትያናዊ ንግስነት ኣኽሱም ኣብ ከበሳዊ ክፋላት ትግራይ ዝተመስረተ ጥንታዊ ከተማ ኣኽሱም ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሓወልቲታትን ንጥንታዊ ምዕባለታትን ኣክሱም ዘማላኽቱ ጥንታዊያን ሓድጊታት ንብራኸ ጥንታዊ ንግስነት ኣክሱም የማላኽቱ፡፡

ሓወልቲታትን ጥንታዊያን ሓድጊታትን ኣክሱም፤ ኣብ ሓደ ከባቢ ጥራይ ዝተሓፀሩ ዘይኮኑስ ኣብ ፈቐዶ ግራውቲ እውን ተዘርጊሖም ኣለዉ። እዙይ ዘማላኽቶ ነገር ድማ ምዕባለ ጥንታዊት ኣክሱም ንኸተማ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ከባቢታት እውን ተዘርጊሑ ምንባሩ እዩ፡፡

ካብዞም ዘደንቑ ሓድጊታት ብዛዕባ እቲ ሓደ ዝዓበየ ሓወልቲ ንመልከት፡፡ እቲ ሙሉእ ንሙሉእ ወዲቑ ዘሎ ዝዓበየ ሓወልቲ፤ ዝተማላኸዐን 13 ደብሪታት ዘለዎ ህንፃ ቅርፂ ሒዙ ዝተመዓራረየ ምንባሩ እኹል ምስክር እዩ፡፡

ኣብ ሕድሕድ ደብሪታት መስኮትን ኣፍደገታትን ምስ ቅርፂ ማዕፆን ፌነስትራን ዝተመዓራረየ ይመስል፡፡ ዋላ እኳ ተሰባቢሩ ኣብ ብዙሓት ክፍሊታት ዝረአ እንተኾነ፤ ምዕሩግን ምልክዑን እዩ፡፡

ብቁሙ እንተሎ 30.48 ሜትሮ ወይ ድማ 100 ጫማ ንውሓትን ልዕሊ 570 ቶን ዝምዘን ምንባሩ ይግመት፡፡

እዙይ ዝኣክል ክብደትን ቁመትን ዘለዎ ሓወልቲ ልዕሊ 4 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ካብ ዝርከብ ብግራናይት ዝማዕበለ ጎቦ ተቐሪፁን ተመዓራርዩን ከም ዝተጎዓዓዘ መረዳእታታት ስነ ኳዕቲ የመላኽቱ፡፡

እዚ ሓወልቲ ኣብ ዓለምና ብዕብየቱ ዓለም መዝጊባቶ ካብ ዘላ ኣብ ደሴት ኢስት ዝርከብ ሓወልቲ ሞኣይ ሰለስተ ዕፅፊ ይነውሕ፡፡ ብኽብደት ምስ እንዕዘብ ድማ ብስቶንሄንጅ ሳርሰን ንዝተመዝገበ ግዙፍ ሓወልቲ ዳርጋ ብ20 ዕጽፊ ዝኸበደ ኮይኑ፡ ካብቶም ብዘመነ እምኒ (monolithic) ተሰሪሖም ከም ዝተጓዓዓዙ ዝፍለጡ ሓወልቲታት እቲ ዝገዘፈን ዝነውሐን ኮይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ።

እዞም ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝነበሩ ሓወልትታት፣ ኣብ ዙርያ ጥንታዊት ኣክሱም ዝርኸቡ መቓብር ነገስታትን ላዕለዎት ሰበስልጣንን መንግስቲ ኣክሱም ዝሕብሩ እዮም።

ኣስማት ናይቶም ዘቖምዎምን፡ ኣብ ትሕቲኦም ዝተቐብሩ ውልቀሰባትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ጠፊኡ ወይ ተረሲዑ እዩ። ንሳቶም ገዛእቲ ናይቲ ንመብዛሕትኡ ቀዳማይ ሽሕ ዓመት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ዝዕብልል ዝነበረ ንግስነት ኣኽሱም ኮይኖም፡ ልክዕ ከም ሮማውያን፡ ብግዜኦምን ሓሓሊፎም መሓዙትን፡ ኣኽሱም ካብ ሓንቲ ከተማ ናብ ሰፊሕ ግዝኣት ዓብያ፡፡

እቶም ነገስታት ንገለ ክፋል ናይ ሐዚ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ደቡባዊ ሓውሲ ደሴት ዓረብን ዝሓቖፈ መሬት ይቆፃፀሩ ምንባሮም ተመላኺቱ ኣሎ። ኣኽሱማውያን ግዝኣት ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ምቁፅፃሮም ብተወሳኺ ባሕሪ ሰገር ክሳብ ደቡብ ዓረብን የመንን የመሓድሩ ብምንባሮም ንግዳዊን ቁጠባዊን ምንቅስቓሶም እውን ስግረ-ኣህጉር ንግዳዊ መስመራት፤ ካብ ኣይቤርያ (ጥንታዊት ስፐይን) ክሳብ ህንዲ፡ ምናልባት’ውን ክሳብ ቻይና ዝዝርጋሕ’ዩ ነይሩ።

ኣዝዮም ትምህርቲ ዝፈልጡ ሕብረተሰብ፣ሓያላት ተዋጋእቲ፣ንፉዓት መሃንድሳትን ስነ-ጥበባውያንን ስለ ዝነበሩ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ወርቃዊ ሳንቲም የውፅኡ ነበሩ። ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ፋርሳዊ ነብዪ ማኒ፡ ምስ ሮማውያን፡ ፋርሳውያንን ቻይናውያንን ኮይኑ፡ ንኣኽሱም ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ዓበይቲ ሃፀያዊ ግዝኣታት ዓለምና ኢሉ ይፅውዓ። “ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣኽሱም ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሓያላት ስልጣነታት” ተባሂላ ትጥቀስ ነይራ፡፡

ዋላ’ኳ ኣብ ዘመናዊ ዓለም ዘለዉ ሰባት ከምኡ ዘይፈልጡ ወይ ከምኡ ክሓስቡን ክግምቱን ኣይኽኣሉ፤ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ግን ንሱ ምዃኑ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ማይክል ሃሮወር የረጋግፅ። “ካብ ግብጺ ወጻኢ ንኣፍሪቃ ብዙሕ ኣቓልቦ ስነ-ጥንቲ ኣይተዋህበን ክብል ድማ ኣብ ኣኽሱም ዘለዉ ጥንታዊያን ፀጋታት ኣቓልቦ ክወሃቦም ይጠልብ።”

ምምሕዳራዊ ውህደታትን ቤተ መንግስታትን ሓዊሱ ሓወልቲታትን ካልኦት ሓድጊታትን ዘማዕረግዎ ጥንታዊ ንግስነት ኣኹሱም፤ እቶም ሐዚ እንሪኦም መቓብራት፣ ዑናታትን ዓበይቲ ህንፃታትን ኢሉ እውን ብኳዕቲ ዝርከቡ ዘለው ቅሪታት ጥንታዊት ኣኽሱም ቅልጡፍ ዕብየት እተመዝግብ ርእሰ ከተማ ምንባራ፤ ኣብታ ከተማ ሕዚ እውን ቆይሞም ዝረኣዩ ሓድጊታት መርትዖ እዮም።

መብዛሕትኡ ሕዚ ዝረአ ዘመናዊት ከተማ ኣኹሱም፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ጥንታዊ ስፈራ እዩ ተሃኒፁ ዘሎ፡፡

እዚ ድማ ነቲ ቀዳማይ ታሪኻ ንምምርማር ኣፀጋሚ ገይርዎ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ግን፡ ሃሮወርን ካልኦት ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲን፤ ካብ ኣኹሱም ወፃኢ ኮይኖም ምስ ጥንታዊ ስልጣነታት ኣኹሱም ምትእስሳር ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እናሰርሑ መፂኦም ኣለዉ፡፡

ብዛዕባ ስልጣነ ኣኽሱማዊያን ዝያዳ ርድኢት ንምእካብ ዳህሲሶም ቀፂለምሉ ኣለዉ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሰርሑ ክልተ ፕሮጀክትታት እኳ ምስ እንርኢ፤ ኣብ ቦታታት ቤተ ሰማእቲ ትግራይን ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ኤርትራን ዝተረኸቡን ኮይኖም ቅድሚ 1700 ዓመታት ስርዓት ህይወት ሃፀያዊት ግዝኣት ከመይ ከምዝነበረ መረጋገፂ ተረኺብሉ ኣሎ።

እዚ ኳዕቲታት’ዚ፡ ኣኽሱማውያን ዝተራቐቕሉ ሜላታት ህንፃ ዘጉልህ፣ ክርስትና ኣብ ባህሎም ዝነበሮ ኣገዳሲ ግደ ኣቓልቦ ዝስሕብ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ፣ ንህላወ ንግስነት ኣኹሱም ንግዳዊ ስራሕቲ ሱር ደምን መማሓየሺ ናብራንን ዘመናዊነትን ምንባሩ ዘማላኽት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ንግዳዊ መርበባት ኣኹሱማዊያን ነገስታት ድማ ብጉልህ ክረአ ገይርዎ ይርከብ፡፡

ካልኣይ ክፋል ይቕፅል!

ገ/ሄር ሃይሉ