Home ዜና ናህሪ ዋጋን ስግኣት ዓለምን

ናህሪ ዋጋን ስግኣት ዓለምን

876

——-

ህዝቢ ዓለም ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ናብ ዘይምርግጋእ ከምርሕ ከምዝኽእል ትካል ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ፡፡

ዓለም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብናህሪ ዋጋ ትሕመስ ምህላዋ ዝገለፁ ሓላፊ ትካል ምግቢ ዓለም #ዳቪድ ባስለይ፤ ሃገራት ህዝበን ንምድሓን ብዝተዋደደ መልክዑ ክመርሓ እንተዘይክኢለን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ 2008 ዓ.ም ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ከም ዝኽእል ስግኣቶም ገሊፆም፡፡

ብደረጃ ዓለም ተፈጢሩ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ይጋደድ ምህላዉ ዝገለፁ ዳቢድ ባስለይ፤ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ብደረጃ ዓለም ማሕበረሰባዊ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምግላፅ መራሕቲ ሃገራት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ2008 ዓ.ም 50 ዝኣኽላ ሃገራት ናብ ዘይምርግጋእ ኣምሪሐን ምንባረን ዝገለፁ ሓላፊ ውድብ ምግቢ ዓለም፤ ናህሪ ዋጋ ስዒቡ ስደት፣ ህዝባዊ ዘይምርግጋእን ከበድቲ ረብሻታትን ተፈጢሮም ምንባሮም ኣዘኻኺሮም፡፡

#ኢትዮጵያ ዓለም ናብ ስግኣት ኣብ ዝኣተወትሉ 2000 ዓ.ም ንናህሪ ዋጋ ዓለም ተፃዊራ ስሉጥ ዕብየት ዘመዝገበት እንትኾን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሓ ኢትዮጵያ ግን ክትወፆ ናብ ዘይትኽእል ዓዘቕቲ ተምርሕ ምህላዋ ኣብቲ ከም ድላዩ ዝእዝዞ ፓርላምኡ ክገልፅ ከም ዝተርኣየ ይዝከር፡፡