Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ናፃ ወፍሪ ሕክምና መጥባሕቲ ሕማም ዓይኒ

ናፃ ወፍሪ ሕክምና መጥባሕቲ ሕማም ዓይኒ

67

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ንልዕሊ 1 ሺሕን 500 ወገናት ናፃ ወፍሪ ሕክምና መጥባሕቲ ሞራ ዓይኒ ካብ 3 ክሳብ 9 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዝህብ ኣፍሊጡ ፡፡

ብምትሕብባር ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ፣ ቢሮ ጥዕና ትግራይን ፕሮጀክት ሂማልያን ካትራክት ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይን ከምዝውሃብ ተፈሊጡ።

ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ኣይተ መረሳ ገ/ስላሴ እቲ ናፃ ወፍሪ ሕክምና መጥባሕቲ ዓይኒ ብዋናነት ካብ ዞባታት መቐለ ፣ምብራቕ፣ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ዝተመልመሉ ወገናት ተጠቀምቲ ዝገበር ምዃኑ ተዛሪቦም ብመሰረት እዚ በቢ ዞብኡ፣ ወረዳታትን ከተማታትን ኣብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ስራሕቲ ምምማይ ተጠቃዕቲ ወገናት ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቶም ተመልሚሎም ንመጥባሕቲ ሕፁያት ዝኾኑ ወገናት ናይ መጓዓዝያ፣ ኣብ ሕክምና ናይ ዝፀንሑሉ ምግብን መደቀስን ሙሉእ ወፃኢታት በቲ ሆስፒታል ከምዝሽፈን እውን ኣብቲ እዋን ተገልፁ ፡፡

#በላይ_ሽፈራው