Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኔትዎርክ ሳፋሪኮም ኣብ ትግራይ ስርሑ ብዕሊ ጀሚሩ።

ኔትዎርክ ሳፋሪኮም ኣብ ትግራይ ስርሑ ብዕሊ ጀሚሩ።

67

ኣብ መድረኽ ዕላውነት ስራሕ ሳፋሪኮም ዝተረኸቡ ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ሳፋሪኮም ተወዳዳሪ ግልጋሎት ቴሌኮም ትፅቢት ንገብር ኢሎም ።

ሳፋሪኮም ኣብ ትግራይ ግልጋሎት ቴሌኮም ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ክፈጥርን ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ግድኡ ከበርክትን ፀዊዖም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ሚስተር ዊም ቫንሄለፑት እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ዘሳልጦም ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ኣብ ክልተ ምዕራፍ ዝተመቐሉ ምዃኖም ብምግላፅ አብ ቐዳማይ ምዕራፍ 125 ባዕሉ ዝሃነፆም ዓምዲታት ኔትወርክ ከምዝተተኸሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ኻልኣይ ምዕራፍ ስራሕቲ ምስፍሐሕፋሕ ኣብ ዝተረፋ ከተማታት ትግራይ ተወሰኽቲ 166 ታወራት ኔትዎርክ ክህነፁ እዮም ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ቤት ፅሕፈት ኣጣይሹ ክሳብ ሐዚ ን12 ሰባት ቀጥታ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ እንትኸውን ተወሳኺ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ምልመላ እናተኻየደ እዩ ኢሎም።

ኣብ ምምላእ ኣየር ሰዓት፣ ምፍራይ ብራንዲንግ ኣቑሑት፣ ምሻጥ ሲም ካርድታትን መሳርሕታትን ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ቀጥታዊ ዘይኾኑ ስራሕቲን ምስ ትካላት ዓዲ ውሽጢ ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

#ብጥዑማይ ገዛኢ