Home ዜና ንመፍረያይነት ሕርሻ 2015/16 ዓ/ም ዝውዕል እኹል ዘበናዊ ድዂዒ ኣትዩ ኣሎ- ቢሮ ሕርሻን...

ንመፍረያይነት ሕርሻ 2015/16 ዓ/ም ዝውዕል እኹል ዘበናዊ ድዂዒ ኣትዩ ኣሎ- ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ

505

ንመፍረያይነት 2015/16 ዓ/ም ዝውዕል እኹል ዘበናዊ ድዂዒ ከምዝኣተወ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ምስ ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕሕበራትን ልምዓት ዕዳጋን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።

ከም ትልሚ 400 ሽሕ ኩንታል ዩርያ ከምኡ እውን 400 ሽሕ ኩንታል ኤምፒኤስ ዝዓይነቶም ዘበናዊ ድዂዒ ጠለብ ምንባሩ ዝሓበሩ ኣብ ቢሮ  ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዳይሬክተር ልቓሕን ዕዳጋን ኣይተ ገብረስላሴሰ ኪዳነ  እዚ መጠን ጠለብ ሐዚ ከምዝኣተወን ሓረስታይ ትግራይ እታውታት ብዝግባእ ከይጥቀም ማሕለኻ ዝነበረ ቀረብ ዘበናዊ ድዂዒ ከምዝተፈትሐ ገሊፆም።

ካብዚ ዛጊድ ናብ 300 ሽሕ ኩንታል ዝፅጋዕ ናብ ወረዳታት ከም ዝተባፀሐ እውን ኣይተ ገብረስላሴሰ ገሊፆም።

ሓላፊ ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ  ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ብግዲኦም እቲ ዘበናዊ ድዂዒ ናብ ኢድ ሓረስታይ ዝባፃሕ ብመንግስቲ ጥራሕ ምዃኑ ኣረዲኦም። 

ብመሰረት እዚ ዩኔናትን ማሕበራትን ንሓደ ኩንታል ዝተሓተ ዋጋ 3,600 ብር ዝለዓለ ድማ 5,800 ብር ከምዝሸጣ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም።

ካብዚ ወፃኢ ክሸይጥ ዝተረኸበ ብሕጊ ከምዝሕተት ዝሓበሩ ኣይተ ነጋ ሓረስታይ ነዚ ፈሊጡ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ጥራሕ  ዓዲጉ ክጥቀም ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ብሓፈሻ ዝመፀ ዘበናዊ ድዂዒ ንዘበነ ፍርያት 2015/16ን ንልምዓት መስኖ ቀፃሊ ዓመትን እውን ዝውዕል ምኻኑ ተገሊፁ ክብል ወይን ጋዜጣ ፀብፂቡ።