Home ዜና “ንሰላም ኩሉ ክንገብር ኢና፣ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘለና ርክብ ዝያዳ ክነጠናኽር ኢና” –...

“ንሰላም ኩሉ ክንገብር ኢና፣ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘለና ርክብ ዝያዳ ክነጠናኽር ኢና” – ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ

725

ንሰላም ክንብል ኩሉ ክንገብር ኢና፣ ምስ ፌደራል መንግስቲ ዘለና ርክብ ዝያዳ ክነጠናኽር ኢና፣ ክልላት እውን እዚ ክገብሩ ይግባእ ክብሉ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸዉ ረዳ ገሊፆም። ኣብ ኣደባባይ ምሕዝነት ኣዲስ ኣበባ ”ኲናት ደው ይበል፣ሰላምን ነጠንክር ”ብዝብል ቴማ ስነ-ስርዓት ምስጋናን ኣፍልጦን ተኻይዱ ።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ንህዝቢ ዝጠቅም ስራሕቲ ይካይዱ ከም ዘሎዉ እዉን ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ንምግባር ንዝገበሮ ተባዕ ተወፋይነት ነመስግን ዝተረፉ ስራሕቲ በቲ ዝተመደበ ግዜ ብፍጥነት ክስርሑ እውን ሓቲቶም።

ካብ ህዝቢ ትግራይ ናይ ፍቕርን ሰላምን መልእኽቲ ሒዘ መፂአ ኣለኹ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፣ ህዝቢ ትግራይ ባህጊ ኵናት የብሉን ሰላም ጥራሕ እዩ ዝጠልብ ክብሉ ኣስሚረሙሉ። ትማሊ ብመንገዲ ዓፋር ህዝባዊ መጓዓዝያ ከምዝተጀመረ ብምሕባር፣ ብወገን ክልል ኣምሓራ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ንምጅማር ብሓባር ክስራሕ ከምዝግባእ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መወዳእታ ካብቲ መንፈስ ምትህልላኽ ወጺእና ናይ ፍቕሪን ስራሕ ቋንቋ ክንጅምር ኣለና፤ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ሰላም ንምርግጋፅ እጃሙ ከም ዝፍፅም እውን ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ገሊፆም።