Home ዜና ንከተማ መቐለ ተዘዋዊሮም ዝተዓዘቡ ካብ ሃገረ ዩጋንዳን ሶማሊላንድን ዝመፁ ከንቲባታት ዝተመዛበለ ህዝቢ...

ንከተማ መቐለ ተዘዋዊሮም ዝተዓዘቡ ካብ ሃገረ ዩጋንዳን ሶማሊላንድን ዝመፁ ከንቲባታት ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ብዕቱብ ክሰርሑ ፀዊዖም፡፡

265

ንከተማ መቐለ ተዘዋዊሮም ዝተዓዘቡ ካብ ሃገረ ዩጋንዳን ሶማሊላንድን ዝመፁ ከንቲባታት ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ብዕቱብ ክሰርሑ ፀዊዖም፡፡

ካብ ሃገረ ዩጓንዳን ሶማሊላንድ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ከተማ መቐለ ቅድሚ ኲናት ዝነበራ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ምስፍሕፋሕ ፕላን ከተማ ኣመልኪቱ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም ፡፡

    ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካል ሲቲ ኣልያንስ ኣማኻሪት ጉዳያት ከተማ ፅጌሬዳ ታፈሰ እዚ መድረኽ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ ከተማታት ኣብ መንጎአን ዘሎ ልምዲ ንምልውዋጥ ዝዓለመ ምዃኑን ኣብ ትግራይ ቕድሚ ኲናት  ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ልምዓት ከተማ ከምዝነበረን  ብሰንኪ ኲናት ኣብ ትግራይ ፕላን ከተማ ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ከም ዝፀንሐን ሓቢረን፡፡

ከተማታት ትግራይ ብኲናት መሰረተ ልምዓተን ከም ዝዓነወን ንድሕሪት ከም ዝተመለሰን ዝገለፁ ኣብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዳ/ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ኣይተ ኣብርሃ ኪዱ ብወገኖም  እዚ ልውውጥ ተምክሮ ሲቲ ኣልያንስ ንትግራይ ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም፡፡

  ኣማኻሪ ትካል ዓለም ለኸ ሲቲ ኣልያንስ  ጁልያን ባስክን ብወገኖም ሲቲ ኣልያንስ ኣብ ምምዕባልን ምስፍሕፋሕን ፕላን ከተማታት ደገፍ ብምግባር ብትኹረት ክሰርሕ እዩ ኢሎም፡፡

ብሃፍታይ ባህረ