Home ዜና ንዝኸፍአ ሓደጋ ድርቂ ተቓሊዕና ንርከብ-ሓረስቶት ደቡብ ምብራቕ ትግራይ

ንዝኸፍአ ሓደጋ ድርቂ ተቓሊዕና ንርከብ-ሓረስቶት ደቡብ ምብራቕ ትግራይ

2142

ብስንኪ ሕፅረት ዝናብ ናይ ሎሚ ዘበን ክራምቲ  ዝዘራሕናዮ ዝራእቲ ብምሕራሩ ንከቢድ ሓደጋ ድርቂ ተቓሊዕና ክብሉ ሓረስቶትን ሰብ ሞያ ሕርሻን ዝተፈላለያ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ገሊፆም።

ኣብቲ ዞባ 30 ጣብያታት እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ድርቂ ከምዘጋጠመን ነዙይ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሰብን እንስሳን ክበፅሕ ንዝኽእል ጥሜት ንምክልኻል ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ዝተዋደደ ስራሕ ምስራሕ ወሳኒ ምዃኑ ብምእማን ይሰርሕ ከምዘሎ ድማ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ሓረስቶት ወረዳታት ወጀራት ዕስራ ዓዲ፤እንደርታን ሕንጣሎን ክረምቲዊ ዝናብ ሎሚ ዘበን ኣዝዩ ውሑድ ብምንባሩ ዝራእቶም ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝሓረረን ንከቢድ ድርቂ ከምዝተቓልዑን ሓቢሮም።

እቶም ሓረስቶት ከም መማረፂ ኣብ ሓፂር እዋን ፍርያት ክህቡ ዝኽእሉ ዝራእቲ  ልዕሊ ክልተ ግዜ  ሕርሽኦም እናገልበጡ ዋላኳ እንተዘርኡ ጠብ ትብል ፍርያት ከምዘይረኸቡን ጉልበቶምን ዘርኢ እኽሎምን ከምዝከሰሩ ዝሓበሩ ኮይኖም ቀለብ ስድርኦምን ጥሪቶምን ኣብ ሓደጋ ከምወደቐ ገሊፆም።

ኪኢላታት ዝራእቲ እተን ወረዳታትን እቶም ሓረስቶትን ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ብስንኪ ሕፅረት ዝናብ ዝኸሰርዎ ዝራእቶም ብመስኖ ንምክሕሓስ ፃዕሪ ዋለኳ እንተገበሩ ጎዳጉዲ ማይን ወሓዝቲ ሩባታት ከባቢኦም ብስንኪ እቲ ድርቂ ደሪቖም ተስፋ ከምዝሰኣንሎምን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ብዝኸኣልዎ ሓገዝ ብምግባር ህይወት ስድርኦምን ጥሪቶምን ከድሕንሎም ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ኣተሓባበሪ ዘፈር ቑጠባ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽለ ብወገኖም ኣብቲ ዞባ ኢሉ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ትግራይ ሕፅረት ዝናብን ድርቅን ከጋጥም ከምዝኽእል ኣቐድሙ እናተገለፀ ብምምፅኡ መሰረት ዝተፈላለዩ ናይ ማይ ምእላይ ስራሕቲ እናተወገነ ዋለኳ እንተመፀ ክረምታዊ ዝናብ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ እቲ ዝተሰግአ ሓደጋ ድርቂ ከምዝተኸሰተ ሓቢሮም፡፡

ብስንኪ እቲ ድርቂ ንዘጋጥም ሓደጋ ጥሜት ወገናትን እንስሳን ንምክልኻል ምስ ህዝቢ፤መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽለ ቢሮም።

ብኣሸናፊ ዳርጌ