Home ዜና ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቋረፀቶ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ከምትጅምር ኣፍሊጣ።

ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቋረፀቶ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ከምትጅምር ኣፍሊጣ።

257

ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ኣብ ኢትዮጵያ አቋሪፅዎ ዝፀንሐ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት  ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቢድ ስርቅን ጉሕለትን ከምዝተፈፀመ ድሕሪ ምርግጋፁ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ሓዊሱ ንተምዛብልቲ ዝህቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ወሃቢት ቃል ዩኤስኤኣይዲ ጀሲካ ጀኒንግስ ትማሊ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ለውጢ ኣሰራርሓ  ክገብር ዝተሳለጡ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ስምምዓትን  ፍረ ኣፍርዩ ኢለን ።

“ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ኣዋርሕ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነጥፉ መሓዙትን፡ ሰፋሕትን ኣገደስትን ምትዕርራይ መሓውራት ሰብኣዊ ሓገዝ ክፈጥሩ ዘኽኣሉ ወሰንቲ ዲፕሎማስያዊ ዘተታትን ስምምዓ ኣከይዱ።” ዝበላ እተን ቃል ወሃቢት

እቶም ምትዕርራያት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቶም ሓግዝ ዘድልዮም ምብፅሑ ንምርግጋፅ  ዘኽእል እኹል ከይዲ ቁፅፅርን ምፍላይን ተሓገዝትን ክህሉ ከምዝሕግዝ ዝገለፃ እተን ወሃቢት ቃል “ከም ውፅኢቱ ድማ ዩኤስኤኣይዲ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሓገዝ ምግቢ ክጅምር እዩ ኢልን።” ከምፀብፃብ ቢቢሲ።

ሰነ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኤጀንሲ ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (ዩኤስኤ ኣይዲ – USAID) እቲ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ኣፍ ተጠቀምቲ እናተመንጠለ ንኻልእ ዕላማ ስለዝውዕል ክቋረፅ ከም ዝወሰነ ምግላፁ ይዝከር።

ኣብታ ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ኣስታት 90 ምኢታዊት ህዝቢ ትግራይ ተፀባይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝኾነ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ዝገደደ ቅልውላው ፈጢሩ ፀኒሑ።