Home ዜና ኣቀባብላ ጀጋኑ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ትግራይ – ከተማ ዓዲግራት

ኣቀባብላ ጀጋኑ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ትግራይ – ከተማ ዓዲግራት

607

ህዝቢ ከተማ ዓዲ ግራት ህዝቦም ካብ ፅንተት ንምድሓን ኣብ ዘካየድዎ መኸተ ልኡኾም ፈፃሞም ብኽብሪ ንዘተሰነዩ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ኣደባባይ ከተማ ዓዲግራት ብድምቀት ኣቀባብላ ገይርሎም።

ኣብቲ ሰነ ስርዓት ኣቀባብላ ዝተረኸቡ ወለዲ ብግደኦም እቲ ተረኺቡ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ብሳለኦም እዩ ድሕሪ ምባል እቲ ኣብ ምጥንኻር ደጀንን ግምባርን ብኽብሪ ንዝተመለሱ ሰራዊት ኣብ እግሪ ምትካል እውን ግደኦም ከም ዝፍፅሙ ገሊፆም።

ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ሰሎሞን ሓጎስ ሰራዊት ትግራይ ብኽብሪ ናብ ቤተሰቦምን ሕብረተሰቦምን ክምለሱ ምግባር ኣካል ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር ብሓደ ወገን ጥራሕ ዝትግበር ውዕል ሰላም ዘላቒ ሰላም ከምፅእ ስለ ዘይኽእል መንግስቲ ፌደራል ሓይልታት ፅንተት ካብ መሬት ትግራይ ብቅልጡፍ ክወፁን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከምለሱን ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ብኽብሪ ዝተሰነዩ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ህዝቦም ካብ ፅንተት ኣብ ምድሓንን እዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ንኽመፅእን ልኡኾም ፈፂሞም እዮም ዝበሉ ምክትል ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ኣይተ ገብረ ካሕሳይ ሓድነትና ንምዝራግ ዝንዝሑ በለካ ለኽዐካ ብውነ ተገንዚቦም ኣቲ ኣብ መኸተ ዘርኣዩዎ ፅንዓትን ጅግንነትን ኣብ ምውሓስ ፀጥታን ልምዓትን ክደግምዎ ፀዊዖም።

ሪፖርተር – ብርሃነ መስፍን