Home ዜና ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ንህዝቢ ትግራይ

ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ንህዝቢ ትግራይ

603

ሓይልታት ኣምሓራ ድሕሪ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ እዉን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ምፅናት ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ኣሎዉ ክብሉ ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣቕሪቦም። ብዘላቕነት ቶኽሲ ምቁራፅ ብዝብል ዝተፈረመ ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ፀገም ብምሉኡነት ይፈትሖ ኢዩ ኢልካ ምግማት ስለዘይከኣል ንህዝቢ ትግራይ ክግበር ዝፀንሐ ክትትል ሐዚ እዉን ዕሸሽ ክበሃል ኣይግባእን ኢሎም ኮንግረስማን ብራድሸርማን ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ኣዉሮጳን ዩክሬንን ካልኦት ዓለማዊ ኩነታትን ተፀሚዱ ዋላኳ እንትሃለወ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እዉን ዕሸሽ ክብሎ ኣይኽእልን ኢሎም ኮንግረስማን ብራድሸርማን ።እታ ምንታይ እሲ ድሕሪ እቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈፀመ ቶኽሲ ብዘላቕነት ጠጠዉ ምባል ስምምዕ እዉን እትኾነ ሓይልታት ኣምሓራ ነቲ ካብ 2013 ዓ/ ጀሚሮም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከካይድዎ ንዝፀንሑ ገበን ምፅራይ ዓሌት፣ፆታዊ ዓመፅ፣ገበን ኵናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣዉነትን ምምዝባልን ሐዚ እዉን ኣጠናኺሮም ከም ዝቐፀልሉን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2023 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ልዕሊ 47 ሽሕ ተጋሩ ካብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት እቲ ዞባን ክፋል ሰሜናዊ ምዕራብን [ፀለምቲ] ስልታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ከም ዝሰጐጉዎም ብራድሸርማን ገሊፆም።

ስለዚ ድማ እዚ እናተገበረ እቲ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ፀገም ብምሉኡነት ይፈትሖ ኢዩ ኢልካ ምግማት ኣይኽእልን ዝበሉ ኮንግረስማን ብራድሸርማን ስለዚ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ንክፍታሕ ኣመራርሓ መንግስቲ ኣሜሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ዕቱብ ኣቓልቦ ሂቡ ክሰርሓሉ ኣተሓሳሲቦም።

ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ 2020 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተኣወጀ ወራር ተሳቲፎም ሰፍ ዘይብሉ ገበናት ወፍሪ ምፅራይ ዓለት፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ቅትለትን ኣገዲድካ ምምዝባልን ብምክያድ ገበን ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣዉነትን ምፍፃሞም ብዓለም ለኻዉያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሁይማን ራይትስዎችን ኣምነሲቲ ኢንተርናሽናልን ምቅልዑ ስዒቡ ሴክሬታሪ ኣንተንዮ ብሊንከን ነቲ ዝተፈፀመ ገበን ኣፍልጦ ከም ዝሃብዎ ሓቢሮም።

ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ኣብዚ ሐዚ እዋን ሙሉእ ዞባ ምዕራብ፣ ዉሱን ከባቢታት ዞባ ደቡብ፣ወረዳ ፀለምትን ሓዊሱ ወሰናወሰን ሰሜን ምዕራብ፣ወሰናወሰን ዞባታት ማእኸልን ምብራቕን ትግራይ ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እተን ከባቢታት ከበድቲ ገበናት ይፍፅሙ ምህላዎምን እናፀብፀበና ዝፀናሕና እንትንከዉን ብፍላይ ድማ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዴሞግራፊያዊ ለዉጢ ንምግባር መቐፀልታ እቲ ከካይዶ ዝፀንሐ ተጋሩ ሓኺኽካ ኣምሓሩ ክሰፍርዎ ናይ ምግባር መስርሕ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራሕ ብኣማኢት ዓበይቲ መኻይን እናፀዓነ ሓደሽቲ ሰፈርቲ የዋፍር ከም ዘሎ ምንጭታት ቴሌቭዥን ትግራይ እናገለፁልና ይርከቡ።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ