Home ዜና ኣባል ሰኔት ኮሚቴ ወፃኢ ጉዳያት  ኣሜሪካዊ ሴናተር ጂምሪሽ   ዓለምለኻውያን ለገስቲ ትካላት ሰብኣዊ...

ኣባል ሰኔት ኮሚቴ ወፃኢ ጉዳያት  ኣሜሪካዊ ሴናተር ጂምሪሽ   ዓለምለኻውያን ለገስቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብሓቂ ናብቶም ብዓፀባ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ይበፅሕ ከምዘሎ እምነት ከሕድሩ ይግባእ ኢሎም።

266

እቶም ሴናተር ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ እትህቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግማይ ከምዝጅምሮ  ዘውፅኦ መግለፂ ስዒቡ፡ ኣብዝሃብዎ መግለፂ “ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣሜሪካ  ንኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት ሰብኣዊ ሓገዝ ክተቃርፅ ዘገድድ ሓቂ ገጢሙ ንሱ ድማ ንቶም ብዓፀባ ኣዝዮም ዝሳቐዩ ሰባት ክውዕል ዝግብኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዕጡቃትን ብልሽዋት ሰበስልጣንን ተጨውዮ ንውልቃዊ ረብሓ ክውዕል ተገይሩ ኢሎም  ።

ሕዚ “ዩኤስኤይድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሰብ ኣዊ ሓገዝ  ክጅምር ድልው ምዃኑ ምግላፁ ዝሕጉስ ምኻኑ ዝገለፁ ሴናተር ሪሽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዛትና ስሉጥ፡ ኣድማዕን ግልፅነትን ዘለዎ ምኻኑ ንምርግጋፅ ዝተገብረ ስምምዕ’ዩ ኢሎም።

ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቶም ብ ዓፀቦ ዝሳቕዩ ዘለዉ ሰባት ክበፅሕ ዝተዓለመሉ ሸቶ ምብፅሑ   ንምርግጋፅ ቃል ይኣቱ ድማኢሎም። ሴናተር ጂም ሪሽ እዚ ውሳነ  ብጥንቃቐ ክረኣ ይግባእ ብፍላይ  እቲ ብፈተነ ዝግበር ዝነበረ ሓገዝ ናብ ንቡር ክምለስ ዘተገበረ ስምምዕነት ምዃኑ ርዱእ እዩ ድማኢሎም ።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ መፅብዓታቱ ሙሉእ ብሙሉእ ክሕሉ ኣለዎ ዝበሉ ሰናተር ጂም ሪሽ ብጉሕለት ሰብ ኣዊ ሓገዝ ዝተጥርጥሩ ገበነኛታትን ሰብ መዚን ድማ ክሕተቱ ይግባእ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣሜሪካን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሓዊሱ ካልኦት ዓለም፣ለኸ ሰባዊ ሓገዝ ዝህቡ ትካላት ናይ ባዕለን ቁፅፅር ክገብራ ኣለወን ኢሎም ሴናተር ጂም ሪሽ። ዓለምለኻውያን ለገስቲ፡ ሰብ ኣዊ ሓገዝ ነቶም ብዓፀባ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ይበፅሕ ከምዘሎ እምነት ከሕድሩ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ። ” ።

ብወይኣንተ ቡዙነህ