Home ዜና ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መኸተ ንዝፀንሑ ተጋደልትን ጉድኣት ኲናትን ቀዳምነት ዕድል ስራሕ...

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መኸተ ንዝፀንሑ ተጋደልትን ጉድኣት ኲናትን ቀዳምነት ዕድል ስራሕ ምሃብ ትካላት ውልቀ ክኸተልዎ ዘለዎም ኣንፈት ክኸውን ይግባእ ኢሉ ኣብ ምፍራይ ኦክስጅን ፣ ካርቦንዳይኦክሳይድን ካልኦትን ጋዛትን ዝተዋፈረ ትካል  ጋዝ ፕላንት ይርጉ፡

662

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መኸተ ንዝፀንሑ ተጋደልትን ጉድኣት ኲናትን ቀዳምነት ዕድል ስራሕ ምሃብ ትካላት ውልቀ ክኸተልዎ ዘለዎም ኣንፈት ክኸውን ይግባእ ኢሉ ኣብ ምፍራይ ኦክስጅን ፣ ካርቦንዳይኦክሳይድን ካልኦትን ጋዛት ዝተዋፈረ ትካል  ጋዝ ፕላንት ይርጉ፡፡

ተጋዳላይ ኣብርሃ ሞጎስ ይበሃል ነቲ ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሓይልታት ፅንተት ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ንምምካት ግቧኡ ዝፈፀመ ትግራዋይ እዩ ኣብቲ ኩናት እዉን ኣካል ምጉዳእቲ ኣጋጢምዎ እዩ።    ብልዕሊ 200 ሚልዮን ብር መበገሲ ካፒታል ዝተጣየሸን ካፒታል ንኦክስጅን  ናይትሮጅን ካርቦን ዳይ ኣኦክሳይድን ካልኦትን ዘፍሪ ውልቀትካል  ይረጉ ጋዝ ፕላንት ዕድል ስራሕ ተፈጢርሉ ኣብ ስራሕ ከምዝተዋፈረን እዚ ንዓይ ፍሉይ ዕድል እዩ ይብል ።

ተጋዳላይ ኣብርሃ ሞጎስ

 ነጋሽ ሃይለ እዉን ድሕሪ ኩናት ጀኖሳይድ ብ ትካል ይርጉ ጋዝ ፕላንት ዕድል ስራሕ ተፍጢርሉ ተርባሒ ዝኾነ እዩ። በቲ ስራሕ ዕድል ፡ንዓርሱን ስድራኡን ንምሕጋዝ ክምዝበቐዐ  እዩ ዝዛርብ።

 ነጋሽ ሃይለ

እዚ ትካልብዝፈጠርላ ዕድልስራሕ ትርባሒት ምኻነይኝ ካብቲ ትካል ብዝተረኸበ ተሞክሮ ኣብ ሂውተይ ዘላቒ ፍልጠት ሒዘ ንምቕፃል ዕድል ዕዙዥ እዩ ዝበለት ድማ በዓልቲ ሞያ  ሒሳብ ሄለን ገብረ እግዚኣብሄር እያ።

ሄለን ገብረ እግዚኣብሄር

ብሞያ ኢንጅነሪንግ ተመሪቑ ኣብ ይርጋ ጋዝ ፕላንት ተኸታታሊ ምህርቲ ማለት እዉን product supervisor ኾይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኢንጅነር ሓጎስ ብወገኑ ኣብ መኸተ ዝፀናሕና ተጋደልቲ ቐዳምነት ሂቡ  ምስርሑ ንኻልኦት ትካላት ተሞክሮ ዘዉስድ እዩ  ድሕሪ ምባል  እቲ ስራሕ ዕድል ማሕበረቁጠባዊ ፀጋማት ንምቕላል ዕዙዝ ግደዘለዎ ምኻኑ እዩ ዝገልፅ።

ኢንጅነር ሓጎስ

ዋና ኣጀካያዲ ይርጉ ጋዘ ፕላንት ኣይተ ግደይ ኣብርሃ እቲ ትካል ኣብ 2011 ዓ/ም ክህነፅ ከይዲ ክምዘተጀመረን ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናትን ተጋቲቱ  2015ዓ/ም  ወርሒ መሰከረም ናብ ስራሕ ከምዝኣተወን ኣብ ክልልና ንዘሎ ው  ዝተፈላለዩ  ኢንዳስቱሪታት  ስራሕቲ ኮንስትራክሽንን  ጥዕና ትካላትን መሰረታዊ ግብኣት ዝኸዉን  ንኦክስጅን  ናይትሮጅን ካርቦን ዳይ ኣኦክሳይድን  ኣሲትሊን ካልኦትን ዘፍሪ ውልቀ ትካል  ምኻኑ  ንቅድሚት ድማ ትካሎም ካብ ወፃኢ ናይ ብሸርፊ ወፃኢ ዝኣትዉ ምህርቲታት በመፈራይ ብምትካእን ዓሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎን ይዛረቡ።

 ትካሎም ንኣብ ጀኖሳይድ ኩናት ገቡኦም ብዙሕ ምህርቲታት ብምፍራይ  ተረባሒ ክኸዉን ዝኽእሉ ኪሳራታትን ከምዝበፅሖን ዋላ እዉን ንዚ ተፃዊሩ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እጃሙ ንምብርካት ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወን ገሊፆም።

ኣካል እዚ ድማ ኣብ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ግቧኡም እንትፍፅሙ ጉዳት ኣካል ዝበፅሖም   ጀጋኑ ቐዳምነት ዕድል ስራሕ ብምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም። እዚ ተግባር ድማ ኩሎም ሰብሃፍቲን ውልቀትካላትን ክስዕባኦ ይግባእ ኢሎም።

 ኣብቲ ትካል ምስቲ ናይቶም ምህርቲታት  ባህረይ ብሓደን ኣብ ፀቢብ ቦታን ክፈርዩ ክቕመጡ ዘይግባኦም ምህርቲታት ብሰንኪ ፅበት መሬት ብሓደ ኸዚኖም የቐምጡ ምህላዎምን ንቕድሚት መንግስቲ እቲ ፀገም ተረዲኡ መስፋሕፍሒ ቦታ ብምሃብ ግቡኡ ሓቲቶም።

#ወይኣንተ ቡዙነህ