Home ዜና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዐ ልፍንታዊ ወራር ንምምካት ልዑል እጃም ዘብርክቱ ሓርብኛታት...

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዐ ልፍንታዊ ወራር ንምምካት ልዑል እጃም ዘብርክቱ ሓርብኛታት ትግራይ ንምድጋፍ ዝተጠናኸረ ሓገዝ ሰብ ሃፍቲ የድሊ ኢሉ ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ።

584

እቲ ኮምሽን ካብ ማሕበር ኣክስዮን ሪል እስቴት ግእዝ ሓድ ሚልዮን ብር  ሓገዝ ተበርኪትሉ።
ኣብቲ ናይ ምርኽኻብ መድረኽ ዝተርኽቡ ርክብ ህዝቢ ኮምሽን ሓርብኛታት ትግራይ ኣይተ ገ/ሚካኤል ብሩ በቲ ማሕበር ዝተገብረ ሓገዝ ብምምስጋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዐ ልፍንታዊ ወራር ንምምካት ልዑል እጃም ዘብርክቱ ኣባላት ስራዊትን ስድራ ስውኣትን ንምድጋፍ ዝተጠናኽረ ሓገዝ ሰብ ሃፍቲ የድሊ ኢሎም።

እቲ ሐዚ ተርኺቡ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ብመስዋእቲን ጉድኣት ኣካልን እዞም ሓርብኛታት እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ማሕበር ኣክስዮን ሪል እስተት ግእዝ ኣይተ ኣንገሶም ሃይለ ብግዲኦም ኣብ እግሪ ምትካል ሓርብኛታት  ትግራይ ዝግብር ስራሕቲ ተሳትፎ ማሕብሮም ቀፃሊ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ክሳብ ሕዚ ብዝተሳለጠ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ኣስታት  73 ሚልዮን ብር ተኣኪቡ ምህላዉ ድማ ካብቲ ኮምሽን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ሙሉጌታ ገ/ገርግስ