Home ዜና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ውልቀ ምልካዊ ጭቆና ከብቅዕ ኤርትራዊያን ደለይቲ...

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ውልቀ ምልካዊ ጭቆና ከብቅዕ ኤርትራዊያን ደለይቲ ፍትሒ ፀዊዖም፡፡

1839

በርጌድ ንሓመዱ ብዝብል ውዳበ ሽርሒታት ህግደፍ ኣብ ምፍሻል ዝርከብ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ፤ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ካናዳን ብህግደፍ ንዝተዳለው ፌስቲቫላት ኣብ ምፍሻል ይርከብ፡፡

ኣብ ጎደናታት ቶሮንቶ ካብ ዝግበሩ ፌስቫላት ሎሚ ዓመት ናብ ሆቴላትን ሬስቶራንትታት ክልወጡ ተገዲዶም ዘለዉ ፌስቲቫላት ህግዳፍ፤ ሽርሒ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ምብርዓን ተግባራዊ ስጉምቲ ኮይኑ ኣሎ፡፡ 

ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት በብዓመቱ ክውድቦም ዝፀንሑ ዕንደራታትን ፌስታታት፤ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዘሎ ጭቆናን ሓሳረ-መከራን ዜጋታት ንምሽፋን ኣሻሓት ዶላራትን ክረክበሉን ህዝባዊ ርክባት ክሃንፀሉን ዝፀንሐ እኳ እንተኾነ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝወደቦም ፌስቲቫላት ግን ብፍሽለት ይውደኦም ኣሎ፡፡

ብሰንኪ ውልቀ መላኽነትን ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተማሪሮም፤ ዝፈትውዋ ሃገሮም ገዲፎም ብዝተሰደዱ መንእሰያት ኤርትራ ዝፍሽል ዘሎ ሃልኪ ፕሮፓጋንዳ ህግደፍ፤ ኣብ ዝተፈላለያ ሚዲያታት ዓለም ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ቀኒዩ ኣሎ፡፡

ኣብ ከተማ ሲያትልን ርእሰ ከተማ ካናዳ ቶሮንቶን ክካየዱ ዝተሓሰቡ ፌስቲቫላት ብፕሮፓጋንዳ ህግደፍ፤ ብዝተወደቡ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራዊያን መንእሰያት ብህውከት ክዛዘሙ ዝተገደዱ እንትኾኑ፤ ንምሽፋን ተሓሲቡ ዝነበረ ምስሊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ኣደባባያት ከተማታት ሃገራት ምዕራብ  ክድወን ተገዲዱ እዩ ፡፡
ብስም በርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ኤርትራዊያን ደለይቲ ለውጢ፤ ንጓይላን ፌስታን ደገፍቲ ህግደፍ ዝተዳለዉ ዳሳት በታቱኖም ነቲ ዕማም ህግደፍ ዘበርዓኑ እንትኾኑ ኣምለኽቲ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ ናብ ዝርከብ ማእኸላት ክኣትዉ ከም ዝተገደዱ ድማ ኣገልግሎት ቴሌቪዥን Cp24 ካናዳ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘሎ ስርዓት ውልቀ ምልክነትን ጥሜትን ተማሪሮም ከም ዝተሰደዱ ኣብ በሪ እቲ ዳንኬራ ህግደፍ ዝግበረሉ ዘሎ ሆቴል ኮይኖም ስምዒቶም ይገልፁ ካብ ዝነበሩ መንእሰያት ሓንቲ ዝኾነት ኣለም፤ ንሕና ኣብ ካናዳ ብመዓልቲ ካብ 3 ክሳብ 4 ጊዜ እንትንምገብ፤ ስድራና ብመቑነን ስርዓት ህግደፍ ተሳቕዮም ክትብል ስምዒታ ክትገልፅ ተራእዩ፡፡

”ንሕና ኣብ ካናዳ ስለ ዘለና ብመዓልቲ ካብ 3 ክሳብ 4 ግዘ ክንምገብ ንኽእል ኢና ብድሕሬና ግን ኣብ ኤርትራ ወለዲን ኣሕዋትን ኣለዉና፣ እዞም ስድራና ብመንግስቲ እዩ ኩፐን እናተዓደሎም ዝነብር፡፡ ብመዓልቲ ንዝበልዕዋ ሓንቲ ባኒ ፍቓድ ስርዓት ኤርትራ የድሊ፡፡ ነብስኻ አትሕፀበሉን መብራህቲ እትረኽበሉን ግዘ ዝተገደበ እዩ፡፡ ኩሎም ኣብ ኢድ ስርዓት ህግደፍ እዮም፡፡ ወለደይን ኣሕዋተይን ብቲ ስርዓት ተቐቲሎም እዮም፡፡ ነዚ ኢና ተቓውሞ እነስምዕ ዘለና፡፡ እዘን ንህገደፍ ወኪለን እትሪአን ዘለኻ ኣንስቲ በቲ ስርዓት ዝተበጀለን እየን፡፡”

ኣብ ቶሮንቶ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብህግደፍ ዝውደቡ ፌስቲቫላት፤ መናውሒ ዕድመ እቲ ስርዓት ዝኾኑ ዘረባታት ፅልኣት ዝስበኸሎምን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝተወለዱ ህፃናት ከይተረፈ ፅልኣት ዘዕጥቕ ምዃኑ ዝገለፀት ኣለም፤ መንግስቲ ካናዳ ከምዙይ ዓይነት ፕሮፓጋንዳ ደው ከብል ይግባእ ኢላ፡፡

ኤርትራዊያን ብስም ደገፍቲን ተቓወምቲን ስርዓት ህግደፍ ተኸፋፊሎም ምህላዎምን፤ ፌስቲቫል ኤርትራ ካብቲ ተታሒዝሉ ዝነበረ ዒላማ ወፃኢ ኮይኑ ናብ ዕግርግር ከም ዝተለወጠን ዝጠቐሰ ቴሌቪዥን ሲቲ ኒውስ ቶሮንቶ ብግዲኡ፤ ሆቴል ሴንተራል ቶሮንቶ ማእኸል እቲ ዕግርግር ክትከውን ከም ዝተገደደት ገሊፁ፡፡

መንግስቲ ካናዳ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዕደና ወርቂ ቢሻ ዝውንን ኩባንያ ዘለዎ ኮይኑ፤ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፈፀሞ ጀኖሳይድ መርገፂ ክሕዘሉ ካብ ቤት ምኽሪ ካናዳ ከይተረፈ ተደጋጋሚ ፃውዒት ክግበረሉ ምፅንሑ ይዝከር፡፡

ኩሉ ግዜ ኲናት እንበር ባህጊ ሰላም ዘይብሉ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ጀኖሳይድ ዝፈፀመ ኮይኑ ክሳብ ሐዚ ወሪሩ ሒዝዎም ኣብ ዘሎ ሉዓላዊ መሬት ትግራይ ዝኾኑ ወረዳታት ኢሮብ፣ ጎሎመኸዳ፣ ወሰናወሰን ዞባ ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከበድቲ ገበናት ይፍፅም ኣሎ።

ገረዚሄር ሃይሉ