Home ዜና ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር

ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር

1875

ቁጽሪ ካብ ስርሖም ዝለቐቑ ዶኳትር ሓፈሻዊ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ይውስኽ ኣሎ። ዶ/ር ኣብርሃ ገ/ሰላማ ፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቺፍ ኣካዳሚክ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ እዮም። ከም ሓበሬትኦም 29 ስፔሻሊስትን 6 ሳብ ስፔሻሊስትን ሓዊሱ 221 ዶኳትር ካብ ስራሕ ከምዝለቐቑን ካብዚኦም እቶም 34 ዶኳትር ዜጋታት ሃገራት ወጻኢ እዮም ይብሉ።

መሰረታዊ ምኽንያት መልቀቒ እዞም ዶኳትር ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ጄኖሳይድን ክባን ዕጽዋን ስዒቡ ዝተፈጠረ ጥሜት ከምዝኾነ እዮም ዶክተር ኣብርሃ ዝገልፁ።

ብፍላይ ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ደመወዝ 18 ኣዋርሕ ከምዘይተኸፈለ ዝገለፁ ዶክተር ኣብርሃ በዚ ድማ ተስፋ ቀቢፆም ካብ ስርሖም ክለቁን ንስደት ክቃልዑን ከም ዝተገደዱ፣ ገሊኦም ናብ ውልቀ ትካላትን ማእኸል ሃገርን ከምዝኸዱን እውን ሓቢሮም።

ከም ሳዕቤኑ ክዓ ተሓከምቲ ብዘይ ሓከምቲ ክተርፉን ንተወሳኺ ገንዘባዊ ወጻኢ ይቃልዑን ኣለዉ። ሓኪም ዘይምህላዉ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ጄኖሳይዳዊ ሃሰያ ከጋደድ ዝኽእል እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃ ገብረሰላማ ፥ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር እውን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ጸገም ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር እዚ ጥራሕ ኣይኰነን። ዓበይቲ መሳርሕታት ሕክምንኡ ዓኒዎም እዮም። ግልጋሎት ሲቲ ስካንን ማሞግራፍን ኰነ ራጂ ምውሃብ ኣዪከኣልን።

ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዉ ውሑዳት መሳርሒ ሓደ ዝኾነ “ኤም ኣር ኣይ” ግልጋሎት ምሃብ ካብ ዘቋርጽ 3 ዓመታት ከምዘቑጸረ ድማ ሜዲካል ራድዮሎጂስት እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ገብረህይወት ብርሃኑ ይገልጹ።

ሰኣን እዞም መሳርሕታት ተሓከምቲ ንሞትን ተወሳኺ ገንዘባዊ ወጻእን ይሳጥሑ ከምዘለዉ እውን ዶ/ር ገብረህይወት የረድኡ።

ነዞም ዝዓነዉን ግልጋሎት ክህቡ ዘይከኣሉን መሳርሕታት ብግዝያውን ቀዋምን ንምጽጋን ሓገዝ መንግስትን ህዝብን ከምዝጠልብ ዝገለጹ ድማ ሜዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ኣብርሃ ገብረእግዚኣብሄር እዮም።

ኣብ ሓጺር እዋን 5 ሚልዮን ቕርሺ እንተተረኺቡ ‘ሂልየም’ ብምምላእ እታ “ኤም ኣር ኣይ”ብግዝያውነት ክትጽገን ትኽእል ‘ያ ዝበሉ ዶ/ር ኣብርሃ ገብረእግዚኣብሄር ፤ ብሙሉእነት ንኽትሰርሕ ግና ኣስታት 33 ሚልዮን ቕርሺ ከም እትጠልብ ይገልጹ። መሳርሕታት ሲቲ ስካንን ማሞግራፍን ኰነ ራጂ ድማ ከም ብሓዱሽ ክዕደጉ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፤ ሓፈሻዊ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ልዕሊ ዓቕሙ ተሓከምቲ ተሸኪሙ ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ዓራት 3 ተሓከምቲ ይድቅሱ። መለዓልቲ ሑሙሟት ድማ ኣብ በረንዳ ይሓድሩ።

ልዕሊ 90% ትካላት ጥዕና ትግራይ ብሰንኪ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ዕንወት ስለዝበጸሖም ፤ ካብ መላእ ትግራይ ዝመጽኡ ተሓከምቲ ኣብዚ ሆስፒታል ክሕከሙ ይግደዱ። ሓኪም ዘይብሉ ተሓካሚ ግና ሓደጋ እዩ ይብሉ እቶም ሰብ ሞያ።

ብኤፍሬም_ረደሀይ