Home ዜና ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ናይ ኩሉ ሃናፂ ሓሳብ ከምዘድሊ ፕረዚደንት ግዝያዊ...

ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ናይ ኩሉ ሃናፂ ሓሳብ ከምዘድሊ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

655

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መቐፀልታ ናይቲ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕ/ሰብ ከካይዶ ዝቐነየ መድረኻት ምርግጋፅ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ዝኾነ መድረኽ ዘተ ሐዚ ድማ ምስ ሙሁራን ኣብ ከተማ መቐለ የካይድ ኣሎ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅን ትግራይ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ መሃሙቕ ንምውፃእን ትግራይ ናይ ኩሎም ደቃ ሓሳብ የድልያ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ እቲ መድረኽ ትግራይ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ክወስዱ ዝኽእሉ ሓሳባት ዝርከበሉ ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኩሎም ሓሳባት እተተኣናግድ ትግራይ ኣብ ምፍጣር ብትኽረት ከምዝሰርሕን ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ክምስረት ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝስራሕን እውን ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ሕዝውን ኣብ ልዕሊኡ ፅንተት ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ ኩነታት እኳ እንተኾነ ነታ ረኺብናያ ዘለና ሰላም ተጠቒምና ትግራይ ናብ ዘሐሸ ኩነታት ክነሰጋግራ ክንሰርሕ ይግባኢ ኢሎም።ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ኩሎም ትግራይ ዝወረሩ ሓይልታት ካብ ትግራይ መሬት ኣይወፁን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እዚኦም ቀልጢፎም ክወፁ ምግባር የድሊ ኢሎም።

መሬት ትግራይ ካብ ወረርቲ ሓይልታት ነፃ ምግባር ስራሕቲ ናብ መወዳእታ ብርኪ ይሰጋገር ምህላው ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸዉ እቶም ወረርቲ መሊኦም ዝወፅእሉ ኩነታት ንክፍጠር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ሰራዊት ሻዕብያ ሐዚውን ኣብ ከባብታት ራማ ካልኦት መዋሰንታት ዞባ ማእኸል፣ ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ከምዘሎን መንግስቲ ፌደራል ነዚ ጉዳይ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ከፈፅሞ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ቀረባ ጊዜ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዘኽእል ስራሕ ከምዝስራሕ እውን ኣይተ ጌታቸው ገሊፆም።ዝምዕብል ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላምና ዓቂብና ህዝብና ዝሓቶ ኩሉ መልሲ ክምለስ ክንሰርሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሐዚ ንረኽቦም ዘለና ረብሓታት ጎልቢቶም ንክኸዱ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።ኣብቲ መድረኽ ሙሁራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ትግራይን ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ትካላትን ዝተወከሉ ሙሁራን ይሳተፉ ኣለው።