Home ዜና ኣብ ምምሕዳር ዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጥሜት 25 ህፃናት ሓዊሱ...

ኣብ ምምሕዳር ዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጥሜት 25 ህፃናት ሓዊሱ 208 ሰባት ሞይቶም ።

4364

ኣብ ዞባ ማእኸል ካብ ዝርከባ ወረዳታት ሓንቲ እያ ምምሕዳር ዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ኣብታ ወረዳ ንኣርባዕተ ኣናእሽተይ ከተማታት ሓዊሱ ሸሞንተ ገፀር ጣብያታት ከም ዝርከባን ኣብተን ኣናእሽተይ ከተማታት ዝነብር ህዝብን ኣብ ሽዱሽተ ገፀር ጣብያታትን ሓያል ድርቂ ከም ዝተኸሰተ ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ዘምክኤል ገ/ስላሴ ንቴሌቪዥን ትግራይ ብስልኪ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊፆም ።

ከም ወረዳ ዘለና ተሓራሳይ መሬት 7748 እዩ ዝበሉ ኣይተ ዘምክኤል ካብዚ ብዘራእቲ ዝተሸፈነ 7616 ሄክታር መሬት ምዃኑ እዮም ዝሓበሩ ብስልኪ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ።

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2015/16 ካብ ዝተዘረአ ስፍሓት መሬት እቲ 6375 ነጥቢ 8 ሄክታር መሬት ብባልዓት ከም ዝተጠቐዐ ዝገለፁ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ነዚ ስዒቡ ድማ 13145 ነጥቢ 7 ኩንታል ምህርቲ ቀነስ ከም ዘሎ እዮም ዘብርሁ ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ 4851 ሄክታር መሬት ዝነበረ ዘራእቲ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ተጠቒዑ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ዘምክኤል ብዉፅኢቱ ድማ 43342 ነጥቢ 3 ኩንታል ቀነስ ምህርቲ ኣስዒቡ እዩ ኢሎም ።

ኣብ 2085 ነጥቢ 5 ሄክታር መሬት ተዘሪኡ ዝነበረ ዘራእቲ ብእዋኑ ክፀሀ ብዘይምኽኣሉ ኣስታት 1893 ኩንታል ምህርቲ ቀነስ ከም ዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ዘምክኤል ገብረስላሴ ኣብ 2949 ሄክታር መሬት ዝተዘረአ እኽሊ እዉን ወቕቱ ብዘይሓለወ ዝናብ ብምርጋፉ ናብ 7209 ኩንታል ምህርቲ ከም ዝባኸነን 2201 ኩንታል ድማ ብሕፅረት ዝናብ ተጠቒዑ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኑ እዩ ኢሎም ።

በዞም ልዕል ኢሎም ዝተቐመጡ ምኽንያታት ኣብታ ወረዳ ሓያል ድርቂ ገጢሙ ኣሎ ዝበሉ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ናይዚ ዉፂኢት ድማ ክሳብ ሐዚ 208 ሰባት ብጥሜት ከም ዝሞቱን ካብዚኦም ድማ እቶም 25 ህፃናት ምዃኖም እዮም ዝገለፁ ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድርቂ ዝወለዶ ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ኣበያተ ትምህርቲ ኣብ ተምሃሮ ሰፊሕ ምቁራፅ ትምህርቲ ይረአ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ዘምክኤል ክሳብ ሐዚ ዉን ልዕሊ 10000 ተምሃሮ ትምህርቲ ከም ዘቋረፁን እዮም ዝሃቡና ሓበሬታ ዘመላኽት ።

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2015 /16 ከም ወረዳ ኣጋጢሙ ብዘሎ ከቢድ ድርቂ ኽሕፈስ ተሓሲቡ ካብ ዝነበረ ምህርቲ 44% ጥራሕ ከም ዝተረኸበ ዝገለፁ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ እዚ ድማ ምስቲ በዝሒ ህዝቢ ናይታ ወረዳ እንትነፃፀር ናይ ክልተ ወርሒ ቀለብ ጥራሕ ምዃኑ እዮም ዘተሓሳሰቡ ።

ስለዚ ድማ ይብሉ ዋና ኣማሓዳሪ ምምሕዳር ዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ኣይተ ዘምክኤል ገብረስላሴ ህዝቢ ብጥሜት ከይበርስ ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለው ተወለድቲ እቲ ወረዳን ገበርቲ ሰናይን ሓገዝ ክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም ።

ብዮሃንስ ብርሃነ