Home ዜና ኣብ ሰለስተ ዞባታት ትግራይ ኣብ ዓውደ ጥዕና ዳግመ ህንፀት ንምክያድ ዘኽእል ዘተ...

ኣብ ሰለስተ ዞባታት ትግራይ ኣብ ዓውደ ጥዕና ዳግመ ህንፀት ንምክያድ ዘኽእል ዘተ ተሳሊጡ።

1223

ብጀኖሳይዳዊ ኲናት ንዝዓነወ ዓውደ ጥዕና ትግራይ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ብዝርከብ ሓገዝ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ዳግመ ህንፀት ንምጅማር ዘኽእል መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዘካየድዎ ልፍንታዊ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኩለመዳይ ዕንወት ካብ ዝበፅሖም ማሕበራዊ ትካላት ዓውደ ጥዕና ኣብ ቅድሚት ዝፅራሕ ምዃኑ መፅናዕቲ ቢሮ ጥዕና የመላኽት።

ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ድማ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝተረኸበ ሓገዝ ብመንገዲ ዩኒሴፍ ኣቢሉ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ትግራይ ዳግመ ህንፀት ትካላት ጥዕና ንምክያድ ዘኽእል ምድላዋት ይግበር ከምዘሎን እቲ ፕሮጀክት እውን ንሰለስተ ዓመታት ዝፀንሕ ፕሮጀክት ኮይኑ ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳታት ኣሕፈሮም ፣ ሓሓይለ ፣ ጭላን ታሕታይ ማይጨውን ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳታት ዛናን ላዕላይ ቆራሮን ኣብ ዞባ ምብራቕ ድማ ወረዳ ጉለመኸዳን ከተማ ዛላምበሳን ዘካትት ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዕላዊ ኮይኑ።

ዳግመ ህንፀት ትካላት ጥዕና ትግራይ ንምስላጥ ምሕደራ ሃፍቱ ብትካል መድሕን ህፃናት /ዩኒሴፍ / ክትትልን ቁፅፅርን እናተኻየደሉ ብመድረግቲ ኣካላት ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ፣ትካል ተራድኦ  ኤምሲሚዶን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይን ክሳለጥ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብ ዩኒሴፍ ትግራይ ኣተሓባበሪ ጥዕና ዶ/ር ዓይኒምሸት ገብረዮሃንስ ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ንኽዕወት ምስ ቢሮ ጥዕና መድረግቲ ኣካላትን ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ዝኾና ወረዳታትን ናይ ሓባር ትልሚ ወፂእሉ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ እውን  ወሲኾም ገሊፆም።

ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ዞባ ማእኸል ትግራይ ክስርሑ ዝተተለሙ ዝተዋህባ ማረት ካብ ትካል መድሕን ህፃናት ቅድም ክብል ብዝረኸበቶ ሓገዝ ኣብ ብርክት ዝበሉ ትካላት ጥዕና ናውቲ ሕክምና ንምምላእ ኣብ ምስራሕ ከም ዘላ ዝገለፁ ኣብ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ዳሬክተር ጥዕና ኣይተ መሓሪ ሓጎስ ህንፀት ዓቕሚ ንምክያድን ናውቲ ንምምላእን ምስ መድረግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ዝዓነዋ ትካላት ጥዕና ዳግም ተሃኒፀን ናብ ግልጋሎት ክበቕዓ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ብወገኖም ኣብ ትካላት ጥዕና ዳግመ ሕውየት ንኽመፅእ ካብ 2014 ዓ/ም ጀሚሩ ቅድመ ምድላዋት ክውገን ምፅንሑ ብምግላፅ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝርከብ ሓገዝ ኣርባዕተ መባእታዊ ሆስፒታላት ፣ 20 ጣብያት ጥዕናን ሓደ ኬላ ጥዕናን ክሃንፁ ተተሊሙ ከምዝነበረን ምስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ናህሪ ዋጋ ዝተመደበ በጀት ተረእዩ ክውሰን ምዃኑ ኣብሪሆም።

እቲ ዝርከብ ሓገዝ ምስ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት እንትርአ ዉሱን ዋላ እንተኾነ እታ ዝርካባ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ወረዳታትን ዞባታትን ወኒነን ንዕውትነቱ ክሰርሓ ዶክተር ኣማኑኤል ተላብዮም።

ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣይተ እልፍዮስ ታደሰን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ሓሓይለ ኣይተ ተኽለብርሃን ገብረታትየስን እቲ ፕሮጀክት ንኽዕወት ብፅሒቶም ከምዝፍፅሙ ሓቢሮም።

ዳግመ ህንፀት ትካላት ጥዕና ኣብ ዝተተለመሉ ግዜ ብፅፈት ብምስራሕ ሕብረተሰብ ዝግባእ ግልጋሎት ጥዕና ንኽረክብ መድረግቲ ኣካላት ተዋዲደን ክሰርሓ ከምዝግባእ ድማ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

ገ/መስቀል ኪሮስ