Home ዓለምለኻዊ ዜና ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ካልኦት ሃገራት ይጋደድ...

ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ካልኦት ሃገራት ይጋደድ ምህላዉ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ፡፡

81

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፤ ኣብ ሱዳን ኢደን ዘእተዋ ሃገራት ካብ ተግባረን ክቑጠባ ፀዊዐን፡፡

ንኲናት ሱዳንን መፍትሒታቱን ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዝዘተየ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ሓይሊታት ወፃኢ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ክስሕቡ ከም ዝግባእ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ኢድ ኣእታውነት ሕቡራት ዓረብ ኤሜራትን ካልኦትን ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ዝዘተየ ቤት ምኽሪ ፀጥታ፤ እታ ሃገር ንሓይሊታት ቅልጡፍ ወሃቢ ድጋፍ እተቕርቦ ዘላ ኣፅዋር ደው ክተብልን ነቲ ኲናት ነዳዲ ካብ ምውሳኽ ክትቁጠብን ኣጠንቂቑ፡፡

ሓይሊታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ሓገዝ ሱዳን ፤ ኣብ ኢል-ፋሸር ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ህዝቢታት ዓጊቱ ከም ዝሓዞምን ኣብ ልዕሊኦም ኲናት ከም ዝኸፈተን ዘማላኸተ ቤት ምኽሪ ፀጥታ፤ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ዝፍፅሞ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊነት ክፃረ ፀዊዑ፡፡

ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ሕቡራት ዓረብ ዒመራት፤ ኣብ ሱዳን ጀኖሳይድ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ መልእኽተኛ ሱዳን ኣል ሓሪዝ መሓመድ፤ ብመሰረት ፕሮቶኮል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሉኣላዊነት ሱዳን ክኽበርን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ዓረብ ኤሜራት ስጉምቲ ክወስድን ፀዊዖም፡፡

ሱዳን ናብ ሰላማዊ መንገዲ ክተምርሕ እትኽእል፤ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢደን ኣእትየን ዘለዋ ሃገራት ካብ ተግባረን ክቑጠባ ኣለወን ዝበላ ተለዋጢት ፕረዝዳንት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፤ ተመዛቢሎምን ብኣር. ኤስ .ኤፍ ተዓጊቶምን ዘለዉ ሱዳናዊያን ዘይተቖራረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይግባእ ኢለን፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝግበሩ ወታደራዊ ምትእትታዋት ፈፂማ ኣይትቕበልን፥ ንመንግስታዊ ይኹን ንዕጡቓት ቅልጡፍ ወሃቢ ሓገዝ ዝግበር ወታደራዊ ሓገዝ ኲናት ካብ ምግዳድ ዝዘለለ ጥቕሚ የብሉን ዝበላ ግሪን ፊልድ፤ ብፍላይ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ዓረብ ካብ ኲናት ሱዳን ኢዳ ክተውፅእ ኣጠንቂቐን፡፡

ገብረእግዚአብሔር ሃይሉ