Home ዜና ኣብ ቃልሲ ፀረ ሽበራ ኣፍሪካ ስርዓት ኤርትራ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ኮይኑ ኣሎ፤ ፕረዝዳንት...

ኣብ ቃልሲ ፀረ ሽበራ ኣፍሪካ ስርዓት ኤርትራ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ኮይኑ ኣሎ፤ ፕረዝዳንት ሴኔጋል፡፡

477

ስርዓት ኤርትራ ጠንቂ ዘይምርግጋእን ኣብ ቃልሲ ፀረ ሽበራ ኣፍሪካ ዓንቃፊት ኮይና ትቕፅል ምህላዋ ፕረዝዳንት ሴኔጋል ዎሎፍ ማኪሳል ገሊፆም፡፡

ብኣሳሳይነት ሩስያ ኣብ ዝተሳለጠ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ መደረ ተረኺቡ ግብረመልሲ ዝሃበ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግዲኡ፤ ብኣተሓባባሪነት ሩስያ ኣንፃር ሃገራት ምዕራብ ግጥም ክግበር ዘለዎ ባህጊ ኣንፀባሪቑ፡፡

መራሒ ሩስያ ፕረዝዳንት ብላድሚር ፑቲን ኣብ ዝፀውዕዎ ካልኣይ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ክሳተፉ ዝቐነዩ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ንናይባዕሎም መደረታት ክገብሩ ቀኒዮም ኣለዉ፡፡

ካብቶም መደረ ከቕርቡ ዝተፈቐደሎም ውሑዳት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፤ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ፕረዝዳንት ሴኔጋል ዎሎፍ ማኪሳልን ዝቐረቡ ሓሳባት፤ ብኣሉታዊን ኣወንታዊን ዝንባለታት ንጉባኤ ፒተርስ በርግ ኣድሚቐምዎ ኣለዉ፡፡

ንልዕሊ 30 ዓመታት ዴሞክራሲያዊን ሰብኣዊን መሰላትን ዓፊኑ ብዋጋ ፅነት ህዝቢ ኤርትራ ዝሽቅጥ ዘሎ መራሒ ኤርትራ ዘቕረቦ ፃውዒት ዓለም ለኻዊ ኲናት፤ ንሰማዒ ዘደንፀወ ኮይኑ ሚዲያታት ዓለም እውን ክቀባበለኦ ቀኒየን ኣለዋ፡፡

ኣፍሪካ ከም ክፍሊ ዓለምን ቻይናን ሓዊስካ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ፤ ቭላድሚር ፑቲን ተመሪሐን ኣንፃር ሃገራት ምዕራብ ኲናት ክእውጃ ይግባእ፤ ነዚ ድማ ተግባዊ ትልሚ ክወፀሉ ፃውዒት ዘቕረበ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፤ ተሓቢኡ ክፍፅሞ ዝፀንሐ ተግባር ግብረ ራዕዲ ዓለም ለኻዊ መልክዕ ክሕዘሉ ብሚዲያ ምልዕዓል ዝገበረሉ ኮይኑ ምህላዉ ዓለም ለኻዊያን ሚዲያታት የቃልሐኦ ኣለዋ፡፡

”ሳላ ፕሬዝዳንት ፑቲን ዝዓደመና ኩላትና መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ሓበራዊ ጉዳይና ክንዝቲ ዕድል ፈጢሩልና ኣሎ፡፡ ሩስያ ወሲዳቶ ዘላ ተበግሶ ካልኦት እውን ክስዕበኦ ይግባእ፡፡ ምኽንያቱ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ወጢነንኦ ዘለዋ ኲናት ዩክረይን ንኹላትና ዝልክም እዩ፡፡ ስለዙይ መራሕቲ ኣፍሪካ፣ ቻይናን ላቲን ኣሜሪካን ሩስያ ኣብ እትመርሖ ኲናት ኢደን ክሓውሳ ይግባእ፡፡ እንገብሮ መኸተ ድማ ብትልሚን ስትራቴጂን ክምራሕ ኣለዎ፡፡”

ሓይሊታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ ጀኖሳይድ፤ ሰራዊት ኤርትራን ሓይሊታት ኣምሓራን ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት፣ ገበን ኲናትን ምፅራይ ዓሌትን ምፍፃሞም ብዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን መንግስቲ ኣሜሪካን ኣፍልጦ ተዋሂብዎ እናሃለወ፤ ንሳልሳይ ኲናት ዓለም ፃውዒት ምቕራቡ ነቲ ጉባኤ ኣሉታዊ ምስሊ ከምዘትሓዞ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ጉባኤ ሩስያ ኣፍሪካ ተረኺቦም ኣፍሪካ ክህልዋ ዝግባእ መፃኢ ዕድልን ኣብታ ኣህጉር ዝረኣዩ ሕልኽላኻትን ኣመልኪቶም መደረ ዝገበሩ ፕረዝዳንት ሴኔጋል ማኪሳል ድማ ኣፍሪካ ዘለዉዋ ውህሉላት ፀጋታት ልዑላት ምዃኖም ዘንፀባረቑ እንትኾኑ፤ ከም መራሕቲ ኤርትራ ዝኣምሰሉ ሓገዝቲ ግብረ ራዕዲ እናሃለዉ እታ ኣህጉር ንምርግጋእ መፀገሚ ኮይኑ ምህላዉ ጠቒሶም፡፡

ማኪሳል’ ‘..ኣፍሪካ ባዕዳዊያን ወረርቲ ብሰንኪ ዝፈጠርዎ ምክፍፋል ሓበራዊ ራኢ ሒዛ ንምስራሕ ተፀጊማ ኣላ፤ልዑል ተፈጥሮ ሃፍቲ እናሃለዋ ወዲባ ክትጥቀመሉ ኣይከኣለትን፤ ትኹረት ቃልስና ምውጋድ ግበረ-ራዕዲን ውሽጣዊ ግጭትን እኳ እንተኾነ፤ ከም ኤርትራ ዝኣምሰላ ኣናእሽቱ ሃገራት ግብረ ራዕዳዊያን ስለ ዝድጉማ ኣፍሪካ ንምርግጋእ ተፀጊምና ኣለና፡፡

ፕረዝዳንት ሴኔጋልን መተሓባባሪ ኔፓድን ዎሎፍ ማኪሳል ኣብ መበል ካልኣይ ጉባኤ ኣፍሪካ ሩስያ ዝገበርዎ መደረ፤ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ዓለም ለኻዊ መልክዕ ኣትሒዝዎ ከም ዘሎ ፀብፃብ ዶችዌሌ ኣመላኺቱ ኣሎ፡፡
ገ/ሄር ሃይሉ