Home ዜና ኣብ ትግራይ መለለዪ መንነት ክወሃብ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓስና ፅንቶ ይፈጥር ኣሎ...

ኣብ ትግራይ መለለዪ መንነት ክወሃብ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓስና ፅንቶ ይፈጥር ኣሎ – ነበርቲ ከተማ መቐለ

155

ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ንዝሓለፉ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት መለለዪ መንነት ክሕደስ ወይ ሓዲሽ ክወሃብ ብዘይ ምኽኣሉ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሶም ዓብይ ፅዕንቶ ይፈጥረሎም ከምዘሎ ነበርቲ ከተማ መቐለ ተዛሪቦም፡፡

መለለዪ መንነት ካርዲ ንኩለመዳይ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ሕብረተሰብ ወሳኒ እዩ ዝበሉ እቶም ነበርቲ ነቲ ዘሎ ፀገም ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ቕልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ ድማ ሓቲቶም፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ዘዘራረብናዮም ሰብ ሞያ ሕጊ ኣይተ ነፃነት በርሀን መምህር ቀናው ገ/መድህንን ብወገኖም መለለዪ መንነት ካርዲ ዋላኳ ዴሞክራሲ መሰል እንተኾነ ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ኣብ ምሕላው እውን ናይ ባዕሉ እጃም ከምዘለዎን ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ሕብረተሰብ ወሳኒ ከምዝኾነን እዮም ዝገልፁ፡፡

ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዝተሓደሰ መለለዪ መንነት ካርዲ ትኽክለኛ መረዳእታ ንምርካብን ፍታሓዊ ውሳነ ንምሃብን ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ዝበሉ ሓላፊ ምክልኻል ገበናት ከተማ መቐለ ኮማንደር ኣብርሃ ወረደ ሕብረተሰብ እዋኑ ዝሓለወን ትኽክለኛን መለለዪ መንነት ካርዲ ብዘይምህላው ኣብ ምክልኻል ገበንን ስግኣት ገበንን ፅልዋ የሕድር ከምዘሎ ኣብሪሆም፡፡

መለለዪ መንነት ካርዲ ኣብ ትግራይ ዛጊድ ክሕደስ ወይ ሓዲሽ ክወሃብ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ምስ ድሕንነት ህዝብን ምቕይያር ኣወዳድባን ተኣሳስሩ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ስታስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ትግራይ ዶ/ር ገ/ሃወርያ ገ/እግዝኣብሄር ነቲ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም አካላት ብምውዳድ ብትኹረት ይሰራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡ምስ መለለዪ መንነት ተተሓሒዙ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለው ፀገማት ብዘተኣማምንን ብዘላቕነትን ኣገባብ ንምፍታሕ ብዲጂታል ከምዝስራሕ ድማ ዶ/ር ገ/ሃወርያ ኣብ ዝሃብዎ መረሂ ገሊፆም፡፡

#ብታደለ ዳኘው