Home ዜና “ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓሚቕ ድኽነት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ምጥንኻር ዓርሰ ምርኮሳ ግዚኡ...

“ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓሚቕ ድኽነት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ምጥንኻር ዓርሰ ምርኮሳ ግዚኡ ዝጠልቦ ዉራይ ” ፡- ተጋዳላይ ተኽላይ ኣሸብር

751

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓሚቕ ድኽነት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ምጥንኻር ዓርሰ ምርኮሳ ግዚኡ ዝጠልቦ ዉራይ ምዃኑ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካቢኔ ሴክረታሪያት ዳግመ ህንጸትን ምጥያሽን እግሪ ምትካልን ተጋዳላይ ተኽላይ ኣሸብር ገሊጹ ።

ተጋዳላይ ተኽላይ ኣሸብር ነዚ ዝገለጸ ኣብ 2013 ዓ/ም ህዝቢ ትግራይ ህልዉኑኡ ንምርግጋጽ የካይዶ ኣብ ዝነበረ ናይ ህልውና መኸተ ኣብቲ እዋን ደቡባዊ ግንባር ድሕሪ መስተንክራዊ ወታደራዊ ዓወት ወርቀ ዲኖን ተደጋጋሚ ምፍንጻሕ ክባታት ጸላእን ድማ ወታደራዊ ዓቕምታት ሰራዊት ትግራይ እናዓበየ ምስ መጸ ኣርሚ 4 ተባሂሉ ዝፍለጥ ብተጋዳላይ ተኽላይ ኣሸብር / ወዲ ኣሸብር/ ዝምራሕ ሰራዊት ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ከባብታት ሓረቖ፣ ሙጃ ጽጌረዳ፣ሳምረን ካልኦት ከባብታትን ብበዝሒ ዝተንቀሳቐሰን ህዝቢ እቲ ኸባቢ ድማ ጹኑዕ ዕርዲ ደጀን ብምዃን ንሰራዊቱ ሓብሒቡን መስዋቲ ከፊሉን ዩ ።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጥ ዝነበረ ስራዊት ትግራይ ፣ተወለድቲ ሙጃን ከባቢኣን ከምኡ እዉን ፈተዉቲ እቲ ከባብን ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ንዝርከባ 8 ኣበያተ ትምህርቲ ብዝገበርዎ ሓገዝ ገንዘብ ልዕሊ 35 ሽሕ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ደፍተርን እስክርቢቶን ኣበርኪቶም ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበ ተጋዳላይ ተኽላይ ኣሸብር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትግራይ ዳግም ንምህናጽን እግሪ ንምትካልን ሉኡኽ ሒዙ ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ ዳግመ ህንጸት ትግራይ ኣብ ዓርሰ ምርኮሳ ህዝቢ ትግራይን መሪሕነቱን ዝተደረኸ ክብል ንቴሌቪዥን ትግራይ ብፉልይ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ዝገለጸ

ዮሃንስ ብርሃነ