Home ዜና ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ሰብኣዊ ግህሰት ምፅራይ ክቕፅል ይግባእ- ሰብኣዊ መሰል ውድብ...

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ሰብኣዊ ግህሰት ምፅራይ ክቕፅል ይግባእ- ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት

385

ምቁራፅ መርማሪ ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ስርሑ ምቁራፁ ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘደናገፀን ልዕሊ ዓቕሙ ስለ ዝኾነ ጥራይ ደው ከም ዝበለን ዝገለፀ ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ እቲ ውድብ ነቲ ሓደጋ ተረዲኡ ክውስን ይግባእ ኢሉ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘጣየሾ ኮሚሽን ስግግር ፍትሒ፤ ዓርሱ ካብ ምድሓን ወፃኢ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ንምምርማርን ዝተበደሉ ወገናት ፍትሒ ክረኽቡን ዘኽእል ኣይኮነን ዝበለ ሪፖርት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ መርማሪ ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ ኣትዮ ምርመራ ከየካየደ ምቁራፁ ከም ዘሕዘኖ ጠቒሱ፡፡

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፃንሒት መርማሪ ኮሚቴ ከናውሕ ዓቕሚ የብሉን፤ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ መበል 54 ጉባኤኡ ፃንሒቱ ከብቅዕ ወሲኑ ኣሎ ዝበለ እቲ ኮሚሽን፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይግባእ ኢሉ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ኲናት፣ ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነትን ምፅራይ ዓሌትን ከም ዝተፈፀመ መርማሪ ሰብ ሞያ ከም ዘረጋገፀን ገበን ጀኖሳይድ ከም ዝተፈፀመ ንምርግጋፅ ናብ ትግራይ ኣቲኻ ምርመራ ምክያድ ከም ዘድሊን ምጥቃሱ እቲ ፀብፃብ ኣመላኺቱ።

ብገ/ሄር ሃይሉ