Home ዜና ኣብ ኢትዮጵያ ብኣኽበርቲ ሕጊ ዝፍፀም ዘሎ ስቅያትን ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን

ኣብ ኢትዮጵያ ብኣኽበርቲ ሕጊ ዝፍፀም ዘሎ ስቅያትን ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን

528

ኣብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ ብኣኽበርቲ ሕጊ ዝፍፀም ዘሎ ስቅያትን ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመር ሓቲቱ። እቲ ኣተሓሕዛን ኣተገባብራን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝቆፃፀር ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ኣካላት ሰብኣዊ መሰላት-ውዕሊ ብዝብል ዝፍለጥ ኮሚቴ ነፃ ክኢላታት፤መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሃገሩ ብኣኽበርቲ ሕጊ ዝፍፀም ስቅያትን ግህሰትን መርሚሩ ነቶም ጥርጡራት ተሓተትቲ ክገብሮም ኣተሓሳሲቡ።

ኮሚቴ ፀረ ስቅያት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት እቲ ዉድብ ነዚ ዝገለፀ ኣብ ሃገራት ብራዚል፣ ኮሎምብያ፣ ካዛኪስታን፣ ሉክሰምበርግን ስሎቫክያን ዝፍፀም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣድሂቡ ብፍሉይ ብገምጋም ብ 4 ግንቦት 2015 ዓ.ም ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኢዩ። ኣብ ጣብያታት ፖሊስ፣ መዳጎኒ ማእኸላት፣ ኣብያተ ማእሰርቲ ፌደራል፣ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ዘይተገልፁ ወይ ምስጢራዊ ኣብያተ ማእሰርትን ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ብኣባላት ፖሊስ፣ ሓለውቲ ቤት ማእሰርትን ካልኦት ወተሃደራውን ፀጥታውን ሓይልታት ዝፍፀምዎ ዘሎ ስቅያትን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ኣዝዩ ከምዘተሓሳስቦ እቲ ኮሚቴ ገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዝቐርብ ጥርዓናት ስቅያት ወይ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ንምፍታሕ ናፃ ምቹውን ምስጢራዊን ኣገባብ ከምዘየለን ህሉው ኩነታት መርመርቲ ኣካላት ምርዳእ ከምዘድሊን ጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣኽበርቲ ሕጊ ዝፍፀም ዘሎ ስቅያትን ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን ግህሰትን ብዝምልከት ዝቐረቡ ጥርዓናት ብነፃ ኣካልን ብጥርጡራት ገበነኛታትን እቶም ተግባራት ክፍፀም ዝኣዘዙ ሰበስልጣንን ክምርመሩ፣ ክኽሰሱን ክቕፅዑን ሸለል ኢሉ ኢዩ ይብል እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ መግለፂኡ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበፀሐ ስምምዕ ሰላም ዝረአየን ዝነኣደን እቲ ኮሚቴ ኣብ ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዜጋታት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ጋዜጠኛታትን ዝበፅሕ ዘሎ ስፍሕ ዝበለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፣ ጥሕሰት መሰላት ሰብኣውነትን ስደተኛታትን ዝተሰመዖ ዓሚቕ ስግኣት ገሊፁ ።

ኣብቲ ፅማቕ ፀብፃብ ኮነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍፀም መጥቃዕቲ፣ ፀብፃባት ስቅያትን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ንነዊሕ እዋንን ማእሰርቲ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ምዕንቃፍ ሰብኣዊ ሓገዛትን ካልእ ተዛመድቲ ፍፃመታትን ኣሰንቢዱኒ ኢሉ እቲ ኮሚቴ ኣብ ዘዉፀኦ ፀብፃብ። ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ጎንፂ ዘለዎም ከባቢታት ምሉእን ዘይተቛረፀን ሰብኣዊ ኣገልግሎት ክህብ እቲ ኮሚቴ ሓቲቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፀብፃብ ዘቕረበት ኢትዮጵያ ገበናት ሰብኣዊ መሰላት መርሚራ ብዘይምቕራብ ተነቒፋ ምንባራ ዝዝከር እዩ ክብል ሪፖርተር ፀብፂቡ።

ሃይለሚካኤል ገሰሰ