Home ቢዝነስ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነን ኣብ መቐለ ዝተሃነፀን ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ተመሪቑ

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነን ኣብ መቐለ ዝተሃነፀን ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ተመሪቑ

78

ነቲ ፋብሪካ ዝመረቑ ፕሬዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትግራይ ንክትሓዊ ግደ ሰብ ሃፍቲ ልዑል ብምዃኑ ሰብሃፍቲ ተወዳዳራይ ዝኾነ ምህርቲ ብምፍራይ ዕብየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ንከረጋግፁን ፀዊዖም።

ብልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ዝተሃነፀ ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ኣብ መዓልቲ ብውሕዱ 600 ሜትር ካሬ ቴራናይት ዘፍርን ን200 ወገናት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረን ምዃኑ በዓል ዋና እቲ ፋብሪካ ኣይተ ገብረመድህን ገ/ማርያም ተዛሪቦም።

ብኽለት እየር ዝከላኸሉ ማሽናት ካብ ሃገረ ጣልያንን ጀርመንን ብምምፃእ ብዝሐሸ ፅሬት ዘፍሪን ንግራናይት ዝትክእን እዩ ኢሎም እቶም በዓል ዋና።

እቲ ፋብሪካ ኣብ ዕቤት ኢንዳስትሪ ትግራይን ኢ/ያን ተወሳኺ ሓይሊ ዝፈጥርን ሸርፊ ወፃኢ ዘድሕንን ምዃኑ ዝጠቐሱ ሚኒስተር ዲኤታ ሚንስቴር ኢንዱስትሪ ፌደራል ኣይተ ሐሴን መሓመድ ብቐፃሊ ካልኦት ፋብሪካታት ንክህነፁ ኣድላዩ ሓገዝ ክንገብር ኢና ኢሎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ካልኦትን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም እዮም።

#ብህይወት_ሺበሺ